“ውፅኢታዊ መከላኸሊ መድሓኒት ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ተረኺቡ።” – ቢቢሲ።

ነብስና ብቫይረስ ኤችኣይቪ ከይልከፍ ዝከላኸልን ኣዝዩ ውፅኢታዊ ምዃኑን ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ዝተረጋገፀን ‘ፒ-ኣር-ኢ-ፒ’ ዝተብሃለ መድሓኒት ከምዝተረኸበን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ነቲ መድሓኒት ኣብ ዝተጠቐሙ 24 ሽሕ ሰባት…

“ካብ 115 ሽሕ ነባሪ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ እቲ 95 ሽሕ አብ ከቢድን ዝኸፈአን ደረጃ ጥሜት ወዲቑ ይርከብ።” – ምምሕዳር እታ ወረዳ።

ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ አይተ ሓጎስ ሃደራ ንድወት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ካብ ጠቕላላ 115 ሽሕ ነባሪ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ እቲ 95 ሽሕ ህዝቢ አብ…

“መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ብዘይምኽኣሉ ህዝብና ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ይርከብ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

“ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ማሕበረሰብ ዓለምን ብምዃን ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ንኽትግበር ክሰርሕ’የ።”- መንግስቲ ጀርመን። ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ተወካሊ ልኡኽ ጉጅለን ዳይሬክተር ሚኒስትሪ ምትሕብባር…

“ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ ሰናይ ድሌት መንግስቲ ፌደራል ወፃኢ ምንም ክገብር ኣብዘይኽእለሉ ደረጃ ‘ዩ ዝርከብ።” – ጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ።

ጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ከምዝሓበሮ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ ሰናይ ድሌት መንግስቲ ፌደራል ወፃኢ ምንም ክገብር ኣብዘይኽእለሉ ደረጃ ከምዝርከብን ፀገማት…

“ፖለቲካና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክዕሪ ክንሰርሕ ኣለና።” – ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ።

ዕላዊ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ሐዚ ቅድሚ ደቓይቕ ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ ከምዝሓበሮ ፖለቲካና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክዕሪ ክንሰርሕ ኣለና ምባሎም ኣፍሊጡ። “ካብ…

“ብሰንኪ ቁሉዕ ወራር ዝዓነዋ ፋብሪካታት ትግራይ ዳግም ናብ ስራሕ ንክኣትዋ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ” – ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ።

መንግስታዊ ኣካላትን ማሕበረሰብ ንግድን ኣብ ኢንዳስትሪ ጨርቃ ጨርቅን ኣልባሳትን ትግራይ ዘድሃበ መድረኽ ምኽክር ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ መ/ር ኣሰፋ…

ናሽናል ፕሮጀክት ኢማጅን ዋን ደይን ዩኒሴፍን – ዝተብሃሉ ትካላት ብልዕሊ 230 ሚሊዮን ብር በጀት ኣብ ዝተፈላለዩ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ከምዘሳልጡ ኣፍሊጦም።

ዳይሬክተር ናሽናል ፕሮጀክት ኢማጅን ዋን ደይ ኣይተ ሓለፎም ገዛኢ ሎሚ ብዛዕባ እቶም ዝሳለጡ ፕሮጀክት ብዕሊ ኣብ ዘፋለጥሉ መድረኽ ከምዝገለፅዎ ብልዕሊ 230 ሚልዮን ብር በጀት ምስ…

” ኣብ ቁሉዕ ወራር ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስቲዮ ኣሓትና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ።

ኣብ ቁሉዕ ወራር ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስቲዮ ኣሓትና ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ። ፕሬዚዳንት…