ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ (ATI) ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ መረጋገፂ ፅሬት ማይ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ብሓገዝ ኣረኪቡ።

ትካል ሰግግር ሕርሻ ትግራይ (ATI) 511,249.98 ብር ዝዋገኦም ን6 ወረዳታት ትግራይ ዝውዕሉ ናውቲ መረጋገፂ ፅሬት ማይ ብሓገዝ ከምዝለገሰሉ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ሐዚ ኣማስዩ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝጠቀዖ ዜና ኣፍሊጡ።

ዳይሪክተር ዳይሪክቶሬት ምሕደራን ቁፅፅርን ሃፍቲ ማይ ዝኾኑ ኣይተ መብራህቶም ታፈረ ከምዝገለፅዎ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ካብ ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን ፅሬቱን ጥዕንዑን ዝተሓለወ ንሕ/ሰብ ማይ ምቕራብ ሓደ ኮይኑ ንፅሬት ማይ መረጋገፂ ዝውዕሉ ልዑል ረብሓ ዘለዎም ናውቲ ብሓገዝ ምርካቡ ከምዘሐጎሶም ገሊፆም።

ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ (ATI) ቅድም ክብል ምስ ትካላት ፌዴራል ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ (shalew ground water) ፅንዓት ማይ ክልልና ንዝካየድ ዘሎ ሓገዝ ዝግብር ዘሎ ትካል ምዃኑ ድሕሪ ምግላፆም ሓገዞም ተጠናኺሩ ንኽቅፅል ሓቲቶምም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *