ሕክምናዊ ሓገዝ ጥዕና መሰረታዊ መሰል ፤ መባእታዊ ክንክን ጥዕና ደቂ ሰባት ድማ መሰረት ኩሎም ንኹሎም ደቂ ሰባት ስለዝኾነ ንኹሉ ብማዕረ ክባፃሕ ከምዝግባእ ጀነራል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣገንዚቦም።

ጀነራል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ፕረዚዳንት ሃገረ ፈረንሳይ ተራኺቦም ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ

ከምዝገለፅዎ ሃገራት ዓለም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ደቂ ሰባት ምስ ዝኾነ ይኹን ዘይራኸብ ጉቡእ መሰል ደቂ ሰባት ብምዃኑ ሃገራት ዓለም ከም ቀንዲ ስረሐን ገይረን ብምርኣይ ኣብ ግብሪ ወሪደን ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ምትእትታው ጥዕና ንዝተፃወቶን ዘበርከቶን ዕማም ዘመስገኑ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ንዘለዎ ቁልፊ ተራ ብምብራኽ ሓጋዛይ መስርሑ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅለሉ ኣፍቲ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኖም ውድብ ጥዕና ዓለም ንዘቕረቦ መሰረታዉን ጠቓምን ሓሳብ ከምዝቕበልዎ ብምግላፅ ፈረንሳይ ካብኣ ትፅቢት ኣብዝግበረላ ኩሎም ሙሉእ ኣቓልቦ ሂባ ከምትሰርሕ ገሊፆም’ለው ከም ፀብፃብ ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ።

ጀነራል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድሕሪ’ቲ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ ኣብ ዕላዊ ገፆም ኣብ ዝዘርገሕዎ ፅሑፍ ተዛማዲ ሓሳብ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ጋዛ ሃገራት ሱዳን ዩክሬንን ካልኦትን

ንዝረኣዩ ዘለው ከበድቲ ሕማማት ንምስዓር ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ሓገዝ ኣገልግሎት ጥዕና፤ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራትን ንዝገብርዎ ደገፍ ሞጊሶም።

ስእሊ – ካብ ዕላዊ ገፅ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝተወስደ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *