ኣብ ትግራይ ንዘሎ ቁሉዕን ዘይሕጋውን ወራር ዕደና ደው ንምባልን ኣደብ ንምትሓዝን ምስ ዝመልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላትን ፌደራል መንግስትን ይስራሕ ኣሎ

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እዋን ቁሉዕ ወራር ዝተኻየዱ ዘይሕጋዊ መሬት ልውውጥ ሕጋውነት ከይላበሱ ከምዝተገበረ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ገ/ ሂወት ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ መሬትን መዓድንን ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝገለፅዎ

ቅድሚ 2013 ዓ.ም ኣብ መዝገብ ቤት ተዓሹጎም ካብ ዝነበሩ ፋይልት 98 ሚኢታዊ ክቑፀርን ኽፃረን ብምግባር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝተገብረ መሬት ናይ ምትሓዝን ምልዋጥን ስራሕ ሕጋውነት ከይላበሱ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

ውራ መሬት ኣመልኪቶም ኣይተ ካልኣዩ ኣብ ገጠር ስርዓት ካዳስተር ስለዝተኣታተወ ብዙሕ ዝረኣ ፀገም ኣይኮነን ብምባል ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ፣ወሰን ከተማታትን ዕሸል ከተማታት ዝተብሃላ እቲ ውራ መሬት ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፆም።

ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝወሰኖ መሰረት ብደንቢ ቁፅሪ 1 /2015 ወፂኡ እዩ ቅድሚ እቲ ኩናት ዝተወሰኑ ስራሕቲ ክትግበሩ ፤ ሓዱሽ መሬት መሻጣ ሓዱሽ መጠሻ ሓዱሽ ኢንቨስትመንትን ከምዘይተፈቐደ ኣብሪሆም።

ሓደ ገባር ንልምዓት ንዝተደለየ መሬት ክውሰድ እንተሎ ናይ 15 ዓመት ምህርታት ኣብ ግምት በምእታው ናይ ሰለስተ ዓመት ምህርቲ ንታ ዝለዓለት ምህርቲ ዝረኸበላ መሰረት ብምግባር ከምዝካሓስን ንልምዓት ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ እቲ ተተሊሙ ወይ ተሓሲቡ ዘሎ እቲ በዓል መሬት ክሰርሖ እየ እንተይሉ ቀዳምነት ከምዝወሃቦን እዚ ግን ኣብ ናይ ገጠር መሬት ግን ንሕርሻ ጥራይ እንተኾይኑ እዩ ዝፍቀድ ኢሎም።

ተሓራሳይ መሬት ምሻጥ ክልኩል እዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ ካብ ተሓራሳይ መሬት ፣መጠሻ እናሸንሸንካ ምሻጥ ዝተኸልከለ ስለዝኾነ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ኣድብ ክሕዙን ብሕጊ ጥራሕ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብኻልእ ወገን ክሳብ ሕዚ 578 ኣካላት ኣብ መዓድን ተዋፊሮም ንምስራሕ ፍቓድ ከምዝተውሃበን ዛጊድ ግን 127 ጥራሕ ኣብ ስራሕ ከምዘለው ሓቢሮም።

ምስ ሃፍቲ መዓድን ተተሓሒዙ ኣብ ውሽጢ ብዘለዎን ምስ ደገን ኮይኖም ብትሕብብር ብኮንትሮባንድ ከም ህዝቢ ኢና ንውረር ዘለና ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ እዙይ ንምስትኽኻል ምስ ዝመልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላትን ፌደራል መንግስትን እናሰራሕና ኢና ኢሎም።

ምስ መሬት ተተሓሒዙ ሰፋሕቲ ናይ ኢንቨስትመንት ፣መጠሻ ወዘተ ሕቶታት ይልዓሉ ስለዘለዎ ምጭብርባር ፣ደብረኽረኽ ከይፍጠር ተባሂሉ ደው ዝበሉ ኣገልግሎታት ኣብ ቀረባ እዋን ደንቢ ተመሓይሹ ንምጅማር እናዘተና ኢና ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *