ባንኪ ዓለም ብሓደጋ ድርቅን ጥሜትን ከምኡ’ውን ካብ ቤት መረበቶም ንዝተመዛበሉን ዝተሃስዩን ልዕሊ 54,000 ወገናት ዝሕግዝ ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 18.8 ሚልዮን ዶላር ብምምዳብ ንትግባርኡ መድረኽ ዘተ የካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ ።

እቲ ብባንኪ ዓለም ዝተመደበ በጀት ፕሮጀክት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከምዝሳለጥን እቲ 18 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ…

ብምኽብምኽንያት መበል 49 ዓመት 11 ለካቲት ትማልን ሎምን ንስለ ህላወን ብራኸን ትግራይን ።

ብምኽንያት መበል 49 ዓመት 11 ለካቲት ትማልን ሎምን ንስለ ህላወን ብራኸን ትግራይን ትግራዋይነትን ኽኳሽሑ ብኽብሪ ንዝወደቑ ሰማእታት ንምዝካር ላዕለዎት ሰብ መዚ ውድብን መንግስትን ኣብ ሓወልቲ…

ሎሚ ብምኽንያት መበል 49 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ንስለ ክብሪ እዛ ዕለት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክፅምብል ውዒሉ’ሎ።

ህዝቢ ሽረ እንዳስላሰ ድማ ሐዚ መቐፀልታ ውዕሉኡ ንስለ ህላወን ምብራኽ ትግራይን ትግራዋይነትን ትማልን ሎምን ኽኳሽሑ ብኽብሪ ንዝወደቑ ጀጋኑ ሰማእታት ንምዝካር ስነ ስርዓት ምውላዕ ጥዋፍ የካይድ’ሎ።…

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳዶር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋን ተራኺቦም ዘተ ኣካይዶም ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ትዊተር ኣብ ዘቕረብዎ ሓበሬታ ከምዘረጋገፅዎ ኣካል ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነትን ቕልጡፍን ክትግበር እንገብሮ ምንቅስቓስን ፃዕርን እቲ ዝተኻየደ ዘተ ፅቡቕ ምንባሩ…

ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ወሳኒ ትግበራ ዉዕል ፕሪቶርያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ኣደራደርቲ ኣካላትን ንምዝታይ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝርከቡ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም።

ምክትል ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ድምፂ ወያነ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተሰናድአ ፍሉይ ምድላው በዓል 11 ለካቲት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ…

ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ንክብርታት ቃልሲ ህወሓት ንዘቆናፅቡ ኣካላት ዘተኣናግድን ዘፍቅድን መስርሕ ክህሉ ኣይግባእን ክብሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕረዚዲንት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ብምኽንያት መበል 49 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ፓነል ከምዝገለፅዎ ህዝቢ ትግራይ ንዝኣመነሉን ተወዲቡ ተቓሊሱ ንዝረኸቦም…

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ – ዓማዊሉ ይኹኑ ዓማዊል ካልኦት ባንክታት ካብ ውሕሉላት መደናገርትን ጉሒላታትን ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

ገለ ካብቶም ውሕሉል ናይ ምድንጋር መስርሖም • ባንክና ብሞባይል ባንኪ ኣቢሉ ናይ ልቓሕ ኣገልግሎት ምሃብ ስለዝጀመረ ነዚ ዝስዕብ ኮድ ብምእታው ተጠቃሚ እቲ ኣገልግሎት ንኹን። •…

“ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዑል ብራኸ ሰልጣነ ዓለም በፂሑ ዝነበረ ብድሕረት፣ድኽነትን ወፅዓን ሰንሰን ምስበለ’ዩ ቃልሲ ጀሚሩ ህልውንኡን መሰሉን ንምርግጋፅ ክኢሉ።” – ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል።

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብምኽንያት መበል 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ፓናል…

መበል 49 ዓመት 11 ለካቲት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ውድብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሐዚ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣፍቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ መድረኽ ዘተ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ተረኺቦም’ለው። ኣብዚ መድረኽ ዘተ…