“ማርሻል ሻፖሺንኮቭ” ዝተባህለት ገዛፍ መርከብ ሃገረ ሩስያ ናብ ምፅዋዕ ኤርትራ ኣትያ። ሃገረ ሩስያ ኣብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ፅልዋ ንምፍጣር ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዋ ርክብ ንምሕያል ሎሚ ኣስመራ ኣትያ’ላ።

መንግስቲ ሩስያ ምስ ኤርትራ መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት የኽብር ከምዘሎ ብስርዓት ህግደፍ ዝተገለፀ እንትኾን ንዚ ንምብዓል ብዝብል ጉልባብ “ማርሻል ሻፖሺኮቭ” ዝተባህለት ገዛፍ መርከብ ሃገረ…

ቤት ፅሕፈት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ጨንፈር መቐለ ስሩዕ ግልግሎት ፓስፖርት ንምጅማር ዘኽእሉ ምድላዋት ይዉግን ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ።

ካብ 8 ክሳብ 18 መስከረም 2016 ዓም ሰብ ሞያ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ፌደራል ዳህሳስ ዘካይድን ኩነታት ዕንወት ናይቲ ቤት ፅሕፈት ዘፅንዕ ጉጅለ ተላኢኹ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ሓላፊ…

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ፀዊዓ፡፡

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኬር አትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ 8 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ንዝተሰርሑ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ዑደት ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ከምዝሓበረቶ…

ፕረዝደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ እታ ወረዳ ዘትዮም ።

ብግድብ ምሕፃብ ኣዝማትን ካልኦት መማረፂታት ማይን ኣብ ኣርባዕተ ጣብያታት ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዝለምዕ ዘሎ ሰፊሕ ልምዓት መስኖ ተዘዋዊሮም ድሕሪ ምዕዛብ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ…

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዕውት ዝኮነ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምልቆ ማህፀን የካይድ ከምዘሎ ሜዲካል ዳይሪክቶር እቲ ሆስፒታል ዶክተር አታክልቲ ገሊፆም።

ዛጊድ ብጣዕሚ ከቢድ ፀገም ዝነበረን ትሽዓተ አዴታት ዕውት ብዝኮነ መንገዲ መጥባሕቲ ከምዝተገበረለንን እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ብቐፃልነት ተጠናኪሩ ከምዝቅፅልን እውን ወሲኮም ገሊፆም። ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዘካይዶ…

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብልዕሊ 440 ሚልዮን ቢር ዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ንወረዳታት ምክፍፋል ጀሚሩ ።

እቲ ርኽክብ ብክፍለ ከተማታት መቐለ ዝጀመረ እንትኸውን ብቐፃልነት ናብ ካልኦት ወረዳታት ከምዝባፃሕ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ኣፍሊጦም። ንኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዝግበር ዘሎ…

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ንዝኣትዋ 500 ትራክተር ብቐጥታ ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ንኽኣትዋ ዘኽእል መስርሕን ቅድመ ምድላውን ከምዝተወገነ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ሎሚ ከምዝገለፅዎ ቅድም ክብል ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተለገሳ ትራክተራት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዘበርክተኦ ዘለዋ ውፅኢት ብጣዕሚ ዝነኣድዩ…

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ማልት ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶን ዝተልኣኸ ልዕሊ 4 ሚልዮንን 189 ሽሕ ብር ሓገዝ ገንዘብ ንግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪባ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ብር 3 ሚልየን 5 ሚኢትን ኣርባዕን ሽሕን ከምኡ’ውን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከብ ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶ…

“ብሰንኪ ዘጋጠመኒ ፀገም ‘ዲጅታል ሲስተም’ ኣብ ሒሳቦም ካብ ዘለዎም ገንዘብ ንላዕሊ ገንዘበይ ካብ ሞንጎ ዝወሰዱ 15,006 ሰባት እቶም 14,441 ሰባት ብሙሉኡን ብኽፋልን መሊሶምለይ ኣለው። ንቶም ዝተረፉ ድማ ናይ መወዳእታ ዕድል ሂበ’ለኹ።” – ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ መረዳእታ ከምዝሓበሮ ብሰንኪ ዘጋጠመ ፀገም ‘ዲጅታል ሲስተም’ ንግዲ ባንኪ ኣብ ሒሳቦም ካብ ዘለዎም ገንዘብ ንላዕሊ ገንዘብ ባንኪ ካብ ሞንጎ…