ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝሰላሰል ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ ንዝዕወቱ ስፖርተኛታት ዝወሃብ መጠን ሽልማት ገንዘብ ክብ ከምዝብል ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍሊጡ።

ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝሓበሮ እዚ ሽልማት መጠን ገንዘብ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሜዳልያ ወርቂ ንዝዓትሩ ስፖርተኛታት ኣብ ታሪኽ እቲ ፌደረሽን ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ገሊፁ’ሎ።

ስፖርተኛታት ብፃዕሮም ንዝዓትርዎ ሜዳልያ ወርቂ ንፍረ ርሃፆም ክምዝምጥን ተገይሩ ሽልማት ገንዘብ ክብ ክብል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ’ሎ።

ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ብድምር 2.4 ሚልዮን ዶላር ከምዘዳለወን ኣብ 48 ዓይነታት ውድድር ወርቂ መዳልያ ንዝዓትሩ ንነፍሲ ወከፍ 50 ሽሕ ዶላር ከም ዝሽለም ገሊፁ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *