ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝሓበሮ እዚ ሽልማት መጠን ገንዘብ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሜዳልያ ወርቂ ንዝዓትሩ ስፖርተኛታት ኣብ ታሪኽ እቲ ፌደረሽን ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ገሊፁ’ሎ።
ስፖርተኛታት ብፃዕሮም ንዝዓትርዎ ሜዳልያ ወርቂ ንፍረ ርሃፆም ክምዝምጥን ተገይሩ ሽልማት ገንዘብ ክብ ክብል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ’ሎ።
ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ብድምር 2.4 ሚልዮን ዶላር ከምዘዳለወን ኣብ 48 ዓይነታት ውድድር ወርቂ መዳልያ ንዝዓትሩ ንነፍሲ ወከፍ 50 ሽሕ ዶላር ከም ዝሽለም ገሊፁ’ሎ።