ኩለመዳይ ወተሃደራዊ ደገፍ ኢራን ከምዝግበረሉ ዝንገረሉ ጉጅለ ዑጡቕ ሑቲ ሎሚ ድሮን ኣመሪካ ኣውዲቑ ኣብ ልዕሊ መርከብ እንግሊዝ ድማ ጉድኣት ኣውሪዱ።

ብዘይካዚ ፀረ-ነፈርቲ ኣሃዱታት ናይቲ ዕጡቕ ሓይሊ “ናይ ፀላኢ ተልእኾ ትፍፅም ነይራ” ንዝበልዋ ኤም.ኪው.9 ሪፐር ዝተባህለት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ኣመሪካ ትማሊ ዓርቢ ብሚሳኤል ወቒዖም ከምዘውደቑ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ጉጅለ ዕጡቕ ሑቲ ያሕያ ሳሪዒ ገሊፆም።

መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካ ብዛዕባ ድሮን ምውቅዓን ምሕምሻሻን ዝበሎ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ ሲ.ቢ.ኤስ. ዝተባህለ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ግን ኤም.ኪው.9 ሪፐር ዝተባህለት 30 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ ድሮን ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ የመን ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸትን ጠንቂ መውደቒኣ ይምርመር ከምዘሎን ገሊፃ።

ብኻልእ ወገን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ንትወስዶም ዘላ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብቐይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ ኣብ ምጥቃዕ ዝርከብ የመናዊ ጉጅለ ዑጡቕ ሑቲ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ሚሳኤል “ኤም.ቪ. ኣንድሮሜዳ ስታር” ዝተባህለት ነዳዲ ዝፀዓነት መርከብ ከምዘጥቀዐ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ሓይልታት ምክልኻል ሑቡራት ኣመሪካውን ጉጅለ ዕጡቕ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዝተፈላለዩ ሰለስተ ኣንፈት ዒላማታት ፀረ-መራኽብ ሚሳኤላት ምውንጫፉን ኣብታ መርከብ ጉድኣት ምውራዱን ከምዘረጋገፁ ኣፍሊጦም ኣለው።

“መርከብ ኣንድሮሜዳ ንኡስ ጉድኣት ወሪድዋ ኣሎ፣ ይኹንምበር ጉዕዞኣ ትቕፅል እያ ዘላ በቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት’ውን የለን።” ይብል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ኤክስ(ትዊተር) ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ።

እታ መርከብ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ሲሸልስ ንዝተመዝገበ ኩባንያ ከምእተሸጠት ዝገለፀ ድማ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *