ጋንታታት ኩዑሶ እግሪ 70 እንደርታ ፣ ወልዋሎ ዪንቨርስቲ ዓዲግራትን ስሑል ሽረን ኣብ ዘበነ ውድድር 2017 ዓ.ም. ናፍቲ ቅድሚ ቁሉዕ ወራር ዝነበረኦ ፕሪምየር ሊግ ተመሊሰን ክነሓነሓ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ወሲኑ።

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሰለስቲአን ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ናብ ሱሩዕ ቦተአን ተመሊሰን ክነሓነሓ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ዘሎ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝወዳደራሉ ዝነበራ ንኽምለሳ መንግስቲ ብዘቐመጦ ኣንፈትን እተን ክለባት ብዝሓተትኦ መሰረትን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ጋንታታት ትግራይ ሓደ ደረጃ ወሪደን ንኽወዳደራ ቅድም ክብል ንዘመሓላለፎ ውሳነ በዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ከምዝተስዓረ ድማ እቲ ፌደሬሽን ወሲኹ ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *