ምግባረ ሰናይ ትእምት ንማሕበራዊ ግልጋሎት ሕክምና ዝዉዕል 17 ሚልዮን ቅርሺ ን 4 ኣካላት ብሓገዝ ኣበርኪቱ::

ምግባረ ሰናይ ትእምት ብዓቕሙ ኣብ ኩለመዳያዊ ሕውየት ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ቀረባ እዋን ንመሐከሚ ሓደሽትን ነባራትን ጉዱኣት ኲናትን ተጋደልትን ከምኡ’ዉን ንመሐከሚ ስቪል…

ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ንጥፈታት መሰረተ ልምዓት ብፅፈትን ሰሌጠንን ንኽዛዘሙ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጥቡቕ ክትትል ክገብሩ ከም ዝግባእ ቤት ምኽሪ ከተማ ውቕሮ ኣፍሊጡ ።

4ይ ዘበን መበል 38 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ውቕሮ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን ኣፍታ ከተማ ኣብ ዝረኣዩ ዘለው ቀንዲ ፀገማት…

ምግባረ ሰናይ ትእምት ንተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበራት ጉዱኣት ኲናትን ተጋደልትን ትግራይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ቅርሺ ደጒሙ::

ልፍንታዉያን ፀላእትን ወረርትን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ህዝብና ኣደዳ ስደትን ምምዝባልን ከምዝኾነ ዝፍለጥ’ዩ:: እቶም ተመዛበልቲ ኣባላት ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ይርከብዎም:: ምግባረ ሰናይ ትእምት…

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብዘይ ኣግባብ ዝተጠፋፈአ ልዕሊ 30 ሚልዮን ብር ገንዘብ መንግስቲ ከምዘምለሰን 4 ሽሕን 828 ካሬ ሜትሮ መሬት ኣጊዱ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብን

ቤት ፅሕፈት ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ገብረ ይሕደጎ…

ካብ 10 ሃገራት ተወኪሎም እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ሮያል ዲፌንስ ኮሌጅ ብዝተፈላለየ ሓላፍነታት ዘገልግሉ ዲፕሎማሰኛታት ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።

እቶም ልኡኻት ህልው ኩነታት ትግራይ ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያን ካልኦት ጉዳያትን ኣመልኪቶም ምስ ኣቦወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ሓላፊት ቤትፅሕፈት ውድብ ህወሓት ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄርን…

ን350 መንእሰይ ሕድሕድ 140 ትርብዒት ሜትሮ (ካሬ) መሬት ከም ዝተወሃበ ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተወሃቡ መናእሰይ ደቂ ገባር ከም ዝዀኑ ዝገለፀ እቲ ምምሕዳር ፥ እቲ ዝተወሃበ መሬት ንመንበሪ ጥራሕ ዝውዕልን ምሻጥን ምልዋጥን ከም ዘይፍቀድን’ውን ኣተሓሳሲቡ። ካብቶም ተጠቀምቲ መናእሰይ…

ምግባረ ሰናይ ትካል ትእምት ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝወደቑን ናብ መኣዲ ስራሕ ዘይተመለሱን 2,655 ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ኣልመዳ ልዕሊ 6,000,000 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ምግባረ ሰናይ ቅድሚ ሰዓታት ብመንገዲ ዕላዊ ገፅ ትእምት ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝወደቑ 2,655 ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ኣልመዳ 6,372,000 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ…

ኣፍረይቲ ኩባንያታት ኢንዳስትሪ ፓርክ ፤ 50 ሚእታዊ ፍርያቶም ንውሽጢ ዓዲ ኸቕርቡ ተወሲኑ።

ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክታት ኣብ ምፍራይ ዝርከቡ ኩባንያታት 50 ሚኢታዊ ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ኸቕርቡ ከምዝተፈቐዶም ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክታት ዘፍርያ ኩባንያታት…

ኣብ ሞንጎ ኣስራሕቲ፣ ሰራሕተኛታትን መንግስትን ዝፍጠር ጎንፂ ብማሕበራዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌትናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ሞንጎ ኣስራሕቲ፣ ሰራሕተኛታትን መንግስትን ዘላቕነት ዘለዎ ኢንዳስትሪ ሰላም ብምፍጣር ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ፀገማትና ብኣግባቡ ንምእላይ ትኹረት…