እዚ ሙሩፅ ዘርኢ ናይ ምዕዳል መስርሕ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ሓረስቶት ራያ ዓዘቦን ታሕታይ ኣድያቦን ከምዝከፋፈል ዝሓበረት ማረት ፣ ካብ መፈለምታ ክሳብ መፈፀምታ ምክትታል ከምትገብረሉን’ውን ገሊፃ።
ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከብ ሓረስታይ ንውሑስን መፍረያይ ዓቕሙ ንምጉልባት ምሕጋዝ ወሳኒ መዃኑ ብምእማን ኣብ ዝቕፅሉ’ውን ተዛማዲ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ከምትነጥፍ ማረት ሐዚ ኣብ ዕላዊ ገፃ ኣብ ዝዘርገሐቶ ዜና ሓቢራ።