ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ካብ ውድብ ምግቢ ዓለም ብዝረኸበቶ ሓገዝ ን370 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት ዝውዕል ሙሩፅ ዘርኢ ን1000 ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ሓረስቶት ምዕዳል ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

እዚ ሙሩፅ ዘርኢ ናይ ምዕዳል መስርሕ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ሓረስቶት ራያ ዓዘቦን ታሕታይ ኣድያቦን ከምዝከፋፈል ዝሓበረት ማረት ፣ ካብ መፈለምታ ክሳብ መፈፀምታ ምክትታል ከምትገብረሉን’ውን ገሊፃ።

ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከብ ሓረስታይ ንውሑስን መፍረያይ ዓቕሙ ንምጉልባት ምሕጋዝ ወሳኒ መዃኑ ብምእማን ኣብ ዝቕፅሉ’ውን ተዛማዲ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ከምትነጥፍ ማረት ሐዚ ኣብ ዕላዊ ገፃ ኣብ ዝዘርገሐቶ ዜና ሓቢራ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *