ኣብ ከተማ መቐለ ተመዛበልትን ጎደና ሓደርን ወገናት ዘካተተ ልዕሊ 9,942 እስትንፋስ ዝሳተፍሉ መደብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ልዕሊ 576 ሚልዮን ብር ተመዲቡ እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።

ዋና ኣካየዲ ስራሕ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣይተ ወረስ ገ/ፃድቃን ፤ ከይዲ ስራሕ ምርግጋፅ ዉሕስና ምግቢ ዛጊድ ዘሎ ኣፈፃፅማን ቀፀልቲ መደባትን ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን እቲ ዘፈር ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ዘካየደሉ እዋን ከምዝገለፅዎ

ኣብ 2016 ዓ.ም ዳግም ክጅመር ብዝተዉሃበ ኣንፈት መሰረት ናብ ተግባር ከም ዝተኣተወን 40 ጎደና ሓደርን ብምኽንያት ኲናት ዝተመዛበሉ ወገናትን ኣብዚ መደብ ከም ዝተሓቖፉ ኣፍሊጦም።

ኣብ 2012 ዓ.ም ንከተማ መቐለ 9, 942 እስትንፋስ ኮታ ከም ዝነበረ ዘዘኻኸሩን ፣ ኣብ 2016 ዓ.ም ዳግም ክጅመር ብዝተዉሃበ ኣንፈት መሰረት ናብ ተግባር ከም ዝተኣተወን ዝገለፁ ኣይተ ወረስ ኣብ ምግቢ ንስራሕ ፅቡቅ ክያዶ ከም ዘሎን እንተኾነ ግን ኣብ ቀጥታ ተሓገዝቲ ምድንጓያት ይረአ ስለዘሎ ብቅልጡፍ ናብ ተግባር ክእቶ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ፅሬትን ሓምለዋይ ልምዓትን ዘለዉ ፀገማት ንምእላይ ህዝቢ ብዝግባእ ብምትሕባባር ክስርሐሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ ዝበሉ ኣይተ ወረስ፣ መደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ዝተፈላለየ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ዘለዎም ወገናት ውስን ግዝያዊ ፀገማቶም ብምቅላል ናብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብ ምስግጋር ወሳኒ ተራ ስለዘለዎ ብዝግባእ ክንመርሖ ይግባእ ኢሎም ከም ፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *