“ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ዘሎ መስርሕ ጨረታ ፍትሓውነት ዝጎደሎን ንረብሓ ሰብ ሃፍቲ ጥራሕ ዘረጋገፀን’ዩ።” – ኣባላት ቤትምኽሪ ምምሕዳር ከተማ መቐለ።

“ፍትሓውን ሕ/ሰብ ዘማእኸለ ተበፃሕነት መሬት ንክህሉ ፖሊሲ እዩ ክቕየር ዘለዎ።” – ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት መቐለ።

=====

ሎሚ 4ይ ዘበን ፣ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠሉ ጊዜ ካብ ሞንጎ እቶም ብኣባላት ቤት ምኽሪ ብስፍሓት ዝዘተየሎም ርእሰ ጉዳያት እቲ ሓደ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ጨረታ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ዘሎ ፀገም ከምዝነበረን ብኣባላት ቤት ምኽሪ

“ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ዘሎ መስርሕ ጨረታ ፍትሓውነት ዝጎደሎን ንረብሓ ሰብ ሃፍቲ ጥራሕ ዘረጋገፀን’ዩ።” ክብሉ ከምዝነቐፍዎ ተገሊ’ሎ።

እቲ መስርሕ ጨረታ ንህዝቢ ዘየማእኸለ መሸጣ መሬት ሊዝ ፤ ንረብሓ ሰብ ሃፍቲ ጥራይ ደው ዝበለ ብምዃኑ ኣራሚ መስርሕ ክተኣታቶ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት ኣይተ ገብረሚካኤል እኑን ብወገኖም ኣብዝሃብዎ መልሲ ዋላ’ኳ ውሕዳት ዝበሓትዎ ጨረታ ሊዝ መሬት እንተነበረ ልዕሊ 1 ቢልዮን ቕርሺ እቶት ከም ዝተረኸበሉ ሓቢሮም።

ብኣባላት ቤትምኽሪ ንዝተልዓለ ሕቶ ድማ ፍትሓውን ሕብረተሰብ ዘማእኸለ ተበፃሕነት መሬት ንክህሉ ግና እቲ ፖሊሲ እዩ ክቕየር ዘለዎ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ኵነታት ገብንን ስግኣት ገበንን ብፍላይ ጭውያን ምዕፋንን ህፃናት ዝኣመሰሉ ከበድቲ ገበናት ንድሕንነት ህዝቢ ሓደጋ ከምዀኑን ጡቡቕ ቁፅፅርን ሓለዋን ክግበርን ካብቲ ቤት ምኽሪ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ እዩ።

ስግኣት ገበናት ቀኒሶም ፥ ከበድቲ ገበናት ግና ወሲኾም እዮም ዝበሉ ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ከተማ መቐለ ኣይተ ሃፍቱ ምችአለ ነዞም ግዘ ዘይህቡ ፀገማት ህዝቢ ዘሳተፈ ንጥፈታት ከም ዝጠልብ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ንተመለስቲ ሰራዊትን ዝግበር ዘሎ ደገፍ መስርሕን ህንፀት መሰረተ ልምዓት መንገድን ብምምጓስ ንመመልኢ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከተማ መቐለ ዝውዕል ልዕሊ 600 ሚልዮን ተወሳኺ በጀት ብምፅዳቕ ውዕሎ ኣኼብኡ ኣጠቓሊሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *