ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓደ ደርዘን ዝኾና ኩባንያታት ቻይናን ሆንግ ኮንግን እገዳታት ኣንቢራ።

ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓደ ደርዘን ዝኾና ኩባንያታት ቻይናን ሆንግ ኮንግን እገዳታት ኣንቢራ ዘላ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝኸፈተቶን ተሰጉሞ ንዘላን ቁሉዕ ወራር ብምድጋፈን ከምዝኾነን እዚ እገዳ እዚ ኣብ ልዕሊ ቻይና 300 ዝተፈላለዩ ዓይነታት እገዳ ንምንባር ካብ ዝተትሓዘ ውጥን ገሊ ከምዝኾነ ማዕከን ዜና CNN ሐዚ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ሚኒስተር ትሬዝሪ ጃኔት የለንን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ ፤ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ቻይና ብምርካብ ቻይና ንሩስያ እተካይዶም ዝተፈላለዩ ሰላሕታዊ ምትሕግጋዛት ብተደጋጋሚ ደው ንኸተብል ንዝቐረበላን ንዝተውሃባን ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ሑቡራት ኣመሪካ ዕሽሽ ምባላ ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ሓደ ደርዘን ንዝኾና ኩባንያታት ቻይናን ሆንግ ኮንግን እገዳታት ኣንቢራ።

ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓደ ደርዘን ዝኾና ኩባንያታት ቻይናን ሆንግ ኮንግን እገዳታት ኣንቢራ ዘላ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝኸፈተቶን ተሰጉሞ ንዘላን ቁሉዕ ወራር ብምድጋፈን ከምዝኾነን እዚ እገዳ እዚ ኣብ ልዕሊ ቻይና 300 ዝተፈላለዩ ዓይነታት እገዳ ንምንባር ካብ ዝተትሓዘ ውጥን ገሊኡ ከምዝተተግበረን ማዕከን ዜና CNN ሐዚ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ብፍላይ እዞም ተነቢሮም ዘለው እገዳታት ንኣፍረይትን ሰደድትን ናይቶም ንመሰረት ምክልኻል-ኢንዱስትሪ ሩስያ ወሳኒ ዝኾኑ ኣቑሑት ደገፍ ንዝገበሩን’ዮም ተባሂሉ’ሎ ዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ገሊኦም ግዳይ እገዳታት ዝኾኑ ድማ ኣብ ሩስያ ደገፍ ምግባሮም ስለ ዝተረጋገፀ’ዩ ክብል ፀብፂቡ።

ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ’ቲ ቻይና ንመከላኸሊ ኢንዱስትርያዊ መደበር ሩስያ እትህቦ ደገፍ – ሩስያ ኣንፃር ዩክሬን ንዝገበረቶን እተካይዶን ንዘላ ኲናት ንኽትቅፅል ኣኽኢልዋ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ሃገረ ቻይና ግን ዛጊድ ዝበለቶ ነገር የለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *