“ማርሻል ሻፖሺንኮቭ” ዝተባህለት ገዛፍ መርከብ ሃገረ ሩስያ ናብ ምፅዋዕ ኤርትራ ኣትያ። ሃገረ ሩስያ ኣብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ፅልዋ ንምፍጣር ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዋ ርክብ ንምሕያል ሎሚ ኣስመራ ኣትያ’ላ።

መንግስቲ ሩስያ ምስ ኤርትራ መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት የኽብር ከምዘሎ ብስርዓት ህግደፍ ዝተገለፀ እንትኾን ንዚ ንምብዓል ብዝብል ጉልባብ “ማርሻል ሻፖሺኮቭ” ዝተባህለት ገዛፍ መርከብ ሃገረ ሩስያ ናብ ምፅዋዕ ከምዝኣተወትን ሓይሊ ባሕሪ ስርዓት ህግደፍ ምዉቕ ኣቀባብላ ከምዝገበረላ ተገሊፁ’ሎ።

መንግስቲ ሩስያ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ መዓልታት ዝምድናአን ዝያዳ ብዛዕባ ዘጠናኽራሉ ጉዳይ ምስ መሪሕነት ህግደፍ ከምትዝትን ዝተፈላለዩ ውዕላት ከምትኽትምን’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዎ ዝምድና ዝያዳ ንምጥንኻር ፕረዚደንት ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝተፈላለዩ ርክቡ የሐይል ከምዘሎ ብጉሉፅ ቋንቋ ኣፍሊጡ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ዝውቀስን ብተደጋጋሚ እገዳታት ሰንሰን ንዝበለሉ ዘይምዕሩይ ስርዓተ ምሕደርኡን ቀይናን ፖሊሲኡን ስዒቡ ህላውኡ ከበርኽ ሎሚ ምስ ከም በዓል ሩስያን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ፅኑዕ ንግዳዊን ወተሃደራውን ርክብ ይፈጥር ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤጂንግ ብፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ዝተገብረ ኣቀባብላ እውን መርኣያ ናይዚ ዝምድና እዩ።

መንግስቲ ሩስያ ንሉኡላዊ ግዝኣት ሓድነት ዩኩሬን ንምግባት ብወለንትኡ ንዝወለዖ ውግእ ምኽንባት ተሳኢንዎ ነዊሕ እዋን ምቑፃሩን ሃገራት ዓለም ንቲ ስርዓተ ምሕደርኡ እንዳኾነንኦ ምምፅአን ስዒቡ ገፁ ናብ ኣፍሪካ ብሙዛር ዝተፈላለዩ ዝምድናታታ ከማሓይሽ ፀኒሑ’ያ። ካብ ኣተን ድማ ንኤርትራ ልዑል ኣቓልቦ ብምሃብ ፅዑቕ ርክባት ክገብር ፀኒሑ’ዩ።

ሩስያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ ኤርትራ ምስ ሞስኮ ዘለዋ ርክብ ነቲ ካብ ምዕራባውያን ንዝኸሰረቶ ካብዚ ዞባ ክትዕወተሉ እትኽእል ካልእ ወተሃደራዊ ኣማራፂ ንምጥቃም ሃቂና ፅዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ክተካይድ ፀኒሓ’ያ።

ስርዓት ህግደፍ ብወገኑ ንውግእ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንምኹናን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝወፀ ክልተ ውሳነታት ተቓውሞኡ ብምግላፅ ምስ መንግስቲ ሩስያ ፖለቲካዊ ሕሽክርንኡ ብምጉልባት ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ከምዝብል ብቑሉዕ መግለፂ ኣፍሊጡ’ዩ።

ንነፍስወከፍ ምንቅስቓስ ብደቂቑ ዝከታተሎኦ ዘለዋ ርእሰ ሓያላን ሃገር ኣመሪካ ሓዊሱ ድፍን ሃገራት ዓለም ድማ ንቲ መንግስቲ ሩስያ ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ ብሉዑል ኣቓልቦ ይከታተለኦ ኣለዋ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ኣካል ናይዚ መስርሕ ምክትታል ኣካል ኮይና’ላ።

መወዳእቱኸ? ንቐፃሊ ብውፅኢት ተዓቂኑ ዝረአ ጉዳይ ክኸውን’ዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *