‘SAVE THE CHILDREN’ ዘስመየ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ 8 ወረዳታት ትግራይ ብበሰላ ውግእን ሓደጋ ድርቅን ንዝተገድዑ ሓረስቶት 75 ሓገዛት ማይ ጀነረተር ፣ ምሩፅ ዘርኢ ዕፉን ፣ ኮሚደረ ፣ ሽንጉርቲን ዝተፈላለዩ ናዊቲ ሕርሻን ብምግባር ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ሓረስታይ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊ ቕልውላው ንምቅላል ኣብ 8 ወረዳታት ትግራይ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ቐሪፁ ንሓረስቶት 75 ሓገዛት ማይ ጀነረተር ፣ ምሩፅ ዘርኢ ዕፉን ፣ ኮሚደረ ፣ ሽንጉርቲን ዝተፈላለዩ ናዊት ሕርሻን ብምሃብ ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡

ተጠቀምቲ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ ገባሪ ሰናይ መድሕን ህፃናት(SAVE THE CHILDREN) ሓረስቶት ወረዳ እንዳባ ፃሕማን ወረዳ ማይ ቅነጣልን ከምዝገለፅዎ ዝነበረኦም ጀነሬተር ብፀላእቲ ብምስራቐንን ብምዕናወንን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ማይ ተጠቒሞም ከየልምዑ ከቢድ ብድሆ ኮይንዎም ንኣደዳ ጥሜትን ስደትን ተቓሊዖም ከምዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ ሴቭ ዘ ችልድረን ብዝገበረሎም ኩለመዳይ ድጋፍ ኣብ ልምዓት መስኖ ዳግም ተዋፊሮም ኣብ ምልማዕ ከምዝርከቡ ሓቢሮም ፡፡

እቶም ሓረስቶት ብዝተገበረሎም ድጋፍ ብዝተወሰነ መልክዑ ካብቲ ኣጋጢምዎም ዝነበረ ቑጠባዊን ስነልቦናዊን ማህሰይቲ ወፂኦም ተስፋ ዝህብ ልምዓት መስኖ የልምዑ ዋላ እኳ እንተሃለዉ ሐዚ እውን ምስቲ ዘሎ በዝሒ ተጠቃሚ ሕፅረት ጀነሬተር ብምህላዉ ንስራሕቶም ዕንቅፋት ይኾኖም ከምዘሎን ሐዚ እውን ካልኦት ትካላት ገበርቲ ሰናይ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ኽገብርሎም ተላቢዮም ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *