ካብ ስልጣኖም ክለዓሉ ዝሓትት ብርቱዕ ተቓውሞ ዝገጠሞም ፕረዝደንት ኣልጀርያ ዓብድል ዓዚዝ ቡታፍሊቃ ካቢንኦም ኣፍሪሶም ከምብሓድሽ ኣጣይሾም፡፡

ከም ፀብፃብ ጣብያ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ካብ 27 ሚኒስተራት እታ ሃገር እዮም 21 እንትቕየሩ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኖርዲን ድዶይን ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉ እዮም፡፡ ፕረዝደንት…

ሶርያ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ታባታት ጎላን ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ ፀዊዓ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኣሜሪካ ንታባታት ጎላን ከም ልኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ጌራ ኣፍልጦ ምሃባ ተቐባልነት ዘይብሉን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን ምኻኑ ዝገለፀት ሶርያ ባይቶ ፀጥታ…

ኣብ ኣሜሪካ ትበርር ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም ብሃንደበት ክትዓርፍ ተገዲዳ፡፡

ንብረትነታ ናይ ሳውዝ ዌስት ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ዝኾነት እታ ነፋሪት ኣብ ሞተራ ብዘጋጠመ ፀገም እዩ ብሃንደበት ዓሪፋ፡፡ እታ ነፋሪት ስርሓት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብብርኪ…

ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮ 16 ኤፍ 25 ዝተበሃላ ነፈርቲ ኹናት ንምዕዳግን 23 ነባራት ነፈርቲ ንምምሕያሽን ብ4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ፈፂማ፡፡

እቲ ስምምዕ ኣብ ታሪክ ንጉሳዊ መንግስቲ ሞሮኮ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ኤጀንሲ ምትሕብባር ድሕንነት ምክልኻል ሰራዊት ኣሜሪካ እቲ ስምምዕ ምስ ሞሮኮ ከምዝኣሰረ ገሊፁ፡፡ እቲ መሸጣ…

ካብ ወሽመጥ ጋዛ ዝተተኮሱ ሮኬታት ንነበርቲ ከባብ ቴልኣቪቭ ዝኾኑ 6 እስራላውያን ኣቑሲሉ፡፡

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል እቲ ሮኬት ካብ ጋዛ ከምዝተተኮሰ ብምግላፅ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን ኢሎም፡፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ናብ ኣሜሪካ ክገሹ ነቒሎም ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር…

80 ሚኢታዊ መሃይኡ ንፅጉማት ተመሃሮ ዝድግፍ ኬንያዊ መምህር ተዓዋቲ ምሩፅ መምህር ዓለም 2019 ኣቆፃፅራ ኣወሮፖውያን ኾይኑ፡፡

መምህር ሒሳብን ፊዝክስን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኬንያ ዝኾነ ፔተር ታቢቺ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻደ መድረኽ 1 ሚሊዮን ዶላር ቅርሽን ፅዋዕን ተረኪቡ፡፡ ተዓዋቲ እቲ ሽልማት…

ኣብ ማሊ 134 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም፡፡

ፕረዝደንት ማሊ ኢብራሂም ቦብከር ኪታ ኣብ ክልል ሞናቲ ኣብ ዝርከቡ ዓሌት ፋላኒ ድሕሪ ዝተፈፀመ 134 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ንኣዛዚ ሰራዊትን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን እታ ሃገር…

ኢትዮጵያን ሩስያን ብመንፅር ዘለወን ራእይ ዕቤት ተሓጋጊዘን ዝስርሓሉ እዋን ሕዚ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ፡፡

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ቪዝቦልድ ካቲንካ ምስ ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝዘተዩ እንትኾኑ ኣብ መፃኢ ራእይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ትኹረት ምግባሮም ተገሊፁ፡፡ እዋኑ ኢትዮጵያን ሩስያን ዝበለፀ…

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ታባታት ጎላን ልኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ምዃኖም ንቕበለሉ እዋን ሕዚ እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ፕረዝደንት ኣብ ገፅ ትዊተሮም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንታቦታት ጎላን ከም ግዝኣት እስራኤል ኣፍልጦ ብምሃብ ንፀጥታን ምርግጋዕን እታ ሃገር ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ መልእኽቲ ትዊተር እቶም…

ድሕሪ ኣብ ኬንያ ዞባ ቱርካና 10 ሰባት ብጥሜት ምማቶም ዜጋታት መንግሰቲ ንግዳያት እቲ ድርቂ ሸልል ኢልዎም ብምባል ተቃውመኦም የስምዑ ኣለዉ።

መንግስቲ ኬንያ 1 ነጥቢ 1 ሚለዮን ሰባት ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ በምሕባር እዚ ቑፅሪ ንቡር ሙዃኑን፡ እቲ ዘጋጠመ ሞት ምስቲ ደርቂ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም…