ሰራሕተኛታት ክልል ስታፍ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሸተይን ማእኸለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንድስትሪ ክልል ትግራይ መንግስቲ ክልልና ኣብ ዝገበሮ መፀዋዕታ ምትእኽኻብ እቶት ክሳተፉ ወሲኖም

መንግስቲ ባይታ ጠለብ ልምዓት ሕብረተሰብ ንምምላእን ፣ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ንምስላጥ፣ ኢንቨስትመንት ክልልና ንምትብባዕን ንምንቅቓሕን ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ትግራይን ንክሳተፍ ብዝፀዎዖ መሰረት 80 ሰራሕተኛታት ክልል ስታፍ…

ሰራሕተኛታት ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ንልምዓት ትግራይ ካብ 10 ክሳብ 50 ሚእታዊ ወርሓዊ መሃየኦም ኣወፍዮም።

መንግስቲ ትግራይ “ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ንዘቕረቦ ፃውዒት ምትእክካብ እቶት ኩሎም ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮ ከምዝተቐበልዎ ኣረጋጊፆም። ብመሰረት እዚ መበዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ካብ 10…

መናእሰይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ነፈሲ ወከፍ ኣባል ዝተኣከበ መበገሲ ካፒታል ብምውህላል ብማሕበር ተወዲቦም መነባብርኦም ይልውጡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ነፈሲ ወከፍ ኣባል ዝተኣከበ ብር 70 ሽሕ ምስ ካብ ውሕስና ፈንድ ዝተረከበ ብር 100 ሽሕ ብሓፈሻ ብር 170,ሽሕ መበገሲ ካብታል…

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ዝካየድ ወፍሪ ተኸላ ፈልስታት፣ ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ፣ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ከም ዝገለፅዎ ፣ኣብታ ወረዳ ኣብዚ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ኣብ 48 መፋስስ 4 ሽሕን 750 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነት…

ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዞባ ፈሸካ ሱዳንን ሓቢርካ ንምስራሕን ንምድግጋፍን ዕላማ ዝገበረ ሓባራዊ ዘተ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዞባ ፈሸካ ከተማ ሽወክ ተኻይዱ።

ድሕሪ እቲ ዘተ ሰነድ ስምምዕ ‘ውን ተፈሪሙ እዩ። እቲ ካብ 8 ክሳብ 9 መጋቢት 2011 ዓ.ም ዝተኻየደ ዘተ፥ ኣካል እቲ ክልቲኣን ዞባታት በቢሰለስተ ወርሒ እናተራኻባ…

ማሕበር ረድኤት ትግራይ ኣብ 12 ወረዳታት ትግራይ ንኣባፅሕ ደቂ ኣንስትዮ ዕደላ ኣይረን ፎሊክ ብዕሊ ጀሚራ፡፡

እቲ ብሓገዝ ገንዘብ nutrition international ብማረት ኣቢሉ ኣብ 12 ዝተመረፃ ወረዳታት ትግራይ ዝወሃብ ሓገዝ ን2ተ ዓመት ዝፀንሕ እዩ ፡፡ መተሓባበሪ ስነ-ተዋልዶ ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ኣይተ…

ብኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ሰነድ ሓሶት ብምጥቃም ዝኸሰሶ ብፅኑዕ እስራትን መቕፃዕቲ ገንዘብ ንክቕፅዑ ተወሲንሎም፡፡

ኣብ ወረዳ ኢሮፕ ክኢላ ሰራሕተኛ ሰፍትኔት ዝኾነ ኣይተ ማይሲስ ሓድጉ ፃዕሩ ነሓሰ 2008 ዓ/ም ካብ ሸባ ዩንቨርስቲ ብጀኔራል ማናጅመንት ከምዝተመረቐ ኣምሲሉ ናይ ሓሶት ዲግሪ ኣብ…