ሶርያ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ታባታት ጎላን ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ ፀዊዓ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኣሜሪካ ንታባታት ጎላን ከም ልኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ጌራ ኣፍልጦ ምሃባ ተቐባልነት ዘይብሉን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን ምኻኑ ዝገለፀት ሶርያ ባይቶ ፀጥታ…

ኣብ ኣሜሪካ ትበርር ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም ብሃንደበት ክትዓርፍ ተገዲዳ፡፡

ንብረትነታ ናይ ሳውዝ ዌስት ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ዝኾነት እታ ነፋሪት ኣብ ሞተራ ብዘጋጠመ ፀገም እዩ ብሃንደበት ዓሪፋ፡፡ እታ ነፋሪት ስርሓት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብብርኪ…

ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮ 16 ኤፍ 25 ዝተበሃላ ነፈርቲ ኹናት ንምዕዳግን 23 ነባራት ነፈርቲ ንምምሕያሽን ብ4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ፈፂማ፡፡

እቲ ስምምዕ ኣብ ታሪክ ንጉሳዊ መንግስቲ ሞሮኮ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ኤጀንሲ ምትሕብባር ድሕንነት ምክልኻል ሰራዊት ኣሜሪካ እቲ ስምምዕ ምስ ሞሮኮ ከምዝኣሰረ ገሊፁ፡፡ እቲ መሸጣ…

ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኩሓ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ናፃ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራ ይህብ ኣሎ፡፡

ተጠቀምቲ እቲ ናፃ ሕክምና ዓይኒ ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝመፁ እንትኾኑ ቅድሚ ሕዚ ንሕክምና ክሳብ 1 ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝተሓተትሉ ብናፃ ኣገልግሎት ምርካቦም ከምዘሓጎሶም…

ካብ ወሽመጥ ጋዛ ዝተተኮሱ ሮኬታት ንነበርቲ ከባብ ቴልኣቪቭ ዝኾኑ 6 እስራላውያን ኣቑሲሉ፡፡

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል እቲ ሮኬት ካብ ጋዛ ከምዝተተኮሰ ብምግላፅ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን ኢሎም፡፡ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ናብ ኣሜሪካ ክገሹ ነቒሎም ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር…

ኣብ ማእኸላይ ጎንደር ብዝነበረ ህውከት ልዕሊ 44 ሽሕ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ከም ዘቋረፁ ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲ እቲ ዞባ ኣይተ መስፍን እርካቤ ኣብ 5 ወረዳታት እታ ዞባ ዝርከቡ 1 ሚአቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝትዓፀወ ገሊፆም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ 1ሽሕን 50ን መምህራን…

80 ሚኢታዊ መሃይኡ ንፅጉማት ተመሃሮ ዝድግፍ ኬንያዊ መምህር ተዓዋቲ ምሩፅ መምህር ዓለም 2019 ኣቆፃፅራ ኣወሮፖውያን ኾይኑ፡፡

መምህር ሒሳብን ፊዝክስን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኬንያ ዝኾነ ፔተር ታቢቺ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻደ መድረኽ 1 ሚሊዮን ዶላር ቅርሽን ፅዋዕን ተረኪቡ፡፡ ተዓዋቲ እቲ ሽልማት…

ኣብ ማሊ 134 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም፡፡

ፕረዝደንት ማሊ ኢብራሂም ቦብከር ኪታ ኣብ ክልል ሞናቲ ኣብ ዝርከቡ ዓሌት ፋላኒ ድሕሪ ዝተፈፀመ 134 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ንኣዛዚ ሰራዊትን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን እታ ሃገር…

በይነ መንግስታት ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ቅድሚ ሕዚ ብዛኣተዎ ቃል መሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዕድጊት ቦንድ 1 ሚኢቲ ሽሕ ዶላር ከምዝፍፅም ኣፍሊጡ፡፡

ኢጋድ ቅድም ክብል ዕድጊት ቦንድ 250 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝፍፅም ገሊፁ ኔሩ፡፡ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣምባሳደር ማሕቡብ ሙኣሊም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኢጋድን ዘሎ ጥንኩር ርክብ…