ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ተመሊሳ ክትዓርፍ ከምዝተገደደት ተገሊፁ።

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እታ ትማሊ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሰኔጋል ክትዓርፍ ዝተገደደት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ፀገም ቴክኒክ ከምዝኾነ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ…

ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትፅቢት ዝግበረለን ክፍሊት ተዘይፈፀመን ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ንሰራሕተኛታት እቲ ውድብ ዝኽፈል መሃያ የብልናን ኢሎም ዋና ፀሓፊ ኣንተንዮ ጉተሬዝ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ኮሚቴ በጀት ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ውድብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ቆጣቢ ወፃኢ…

ሱዳን ስዑድ ዓረብን ኢማሬት ዓረብን ክህብኣ ቃል ካብ ዝኣተወኦ 3 ቢሊዮን ዶላር ፍርቂ ከምዝተቐበለት ገሊፃ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ሚኒስተር ገንዘብ ሱዳን ኢብራሂም ኣልባዳዊ ዝተረፈ ገንዘብ ክሳብ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ሃገሮም መሊኣ ከምትቕበል ገሊፆም፡፡ ነበር ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምስ ተኣለዩ…

ን1 ነጥቢ 5 ሚሊዮን መናእሰይ ነበርቲ ከተማታት እዛ ሃገር ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ንክፍጠር ትልሚ ተታሒዙ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ክፍሌ ሆራ ህንፀት ካብ ዝጅመር ንነዘ 99 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ብምሕባር ዝተረፈ ህንፀት ንምዝዛም 40 ቢሊዮን ብር…

1 ቢሊዮን ሰባት ዓለምና ብቐሊል ምክልኻል ብዝኽእሉ ሕማማት ዓይኒ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እቲ ውድብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ከም ዘመላኽቶ 2 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ህዝቢ ዓምና ንፀገም ምርኣይን ዓይነ ስውርነትን ተቓሊዑ ኣሎ ይብል፡፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም…

ቱርኪ ብኣሜሪካ ንዝሕገዙ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ብዝሓዘቶ ትልሚ መሰረት ቁፅሪ ኣብ ዶብ ሶርያ ዝርከብ ሰራዊት ከምዝወሰኸት ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ሓጋዝ ፕረዝደንት ቱርኪ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ሓፂር እዋን ውሳነ ሶርያ ጥሒሱ ከምዝኣቱ ገሊፆም፡፡ ቱርኪ እቲ ከባቢ ካብ ዕጡቓት ኩርድ ናፃ ንምውፃእ ድሌት ኣለዋ፡፡…

ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ መጠቃዕቲ ኣጥቢቕና ክንኩንኖ ይግባእ ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እዚ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ኣብ ናይ ውልቀኣን ፌስ ቡክ ገፅ ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ ከምዝገለፅኦ ነበርቲ…

ኣብዚ በጀት ዓመት 77 ሽሕ ሓደሽቲ ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  21 /01/2012) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ፀገም ምቁርራፅ ሓይሊ ንምንካይ ይስራሕ ከም ዘሎ እውን ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ትግራይ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክልልና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡…

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዑደት ልውውጥ ተመኩሮ ፕሮጀክት ምርግጋፅ ውሑስ መነባብሮ ሕርሻ ተሳሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  21 /01/2012) ፕሮጀክት ምርግጋፅ ውሑስ መነባብሮ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ሓየሎም ዑደትን ምይይጥ መፍረያይነትን ሕርሻ ዘሳለጠ እንትኸውን ፣ንፈለማ እዋን በቲ ፕሮጀክት…