ኣብ ዓለም 540 ሚሊዮን ህፃናት ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግብን ብዘይ ኣፍልጦ ዝህሉ ኣመጋግባ ስዒቡ ዝፍጠር ዝለዓለ መጠን ርጉደት ዝተጠቕዑ እዮም ኢሉ ዩኒሴፍ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012)ትካል ሓገዝ ህፃናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምና ኣብ ኣመጋግባ ለውጢ እኳ እንተመዝገቡ ኣብ መሰረታዊ ግንዛበ ኣመጋግባ ግን ዛጊድ ፀገም ኣሎ ኢሉ፡፡ ብመሰረት ፀብፃብ እቲ…

ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ታሪፍ ምምሕያሽ ከም ዝገበር ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012)እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም መድረኽ ኣፈፃፅማ ስራሕ 2011 ትልሚ 2012 ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ኮርፕሬት ኮሚኒኬሽን ኣይተ መልኣኩ ታየ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 22 ሓደሽቲ ከተማታት…

ዝጀመርናዮ ናይ ጣብያን ወረዳን ሪፎርም ስራሕቲ ተጠናኺሩ ናብ ተግባር ክኣቱን በዚ ኣቢሉ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምንቅስቓስ ክግበር ኣንፈታት ከምዘነፀረ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ገሊፁ።

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012) እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ንዝሓለፉ 7 መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ 2011 ዓ/ም ዝተታሓዙ መደባት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ውድባውን ፖለቲካውን ስራሕትን…

ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ካብ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ካብ ዝርከብ ኣታዊ ብተወሳኺ ካብ ቱሪዝምን ካልኦት ዘፈራትን ዝርከብ ኣታዊ ንክዓቢ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ እቲ ግድብ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)ኣብ ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ሚዲያ ኮምኒኬሽን ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሃይሉ ኣብርሃም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ…

ሩስያን ሱዑድ ዓረብን ኣብ ኩለ መዳያዊ ዘፈራት ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ንፈለማ እዋን ኣብ ሱዑድ ዓረብ ዑደት ስራሕ ኣብ ምክያድ ይርከቡ፡፡ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምሰ ንጉስ…

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስተራትን ሰብ መዚን ቱርኪ ማዕቖብ ኣንቢራ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)እቲ ማዕቖብ ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ንትፍፅሞ ዘላ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ እዩ፡፡ እቲ ማዕቐብ ንሚኒስተራት ምክልኻል ሃገርን ኢነርጂን ቱርኪ ከምኡ እውን ንሰለስተ ላዕለዎት ሰብ መዚ…

መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢማሬት ኢትዮጵያ ንእትሃንፆ ሓድሽ ህንፃ ፖርላማ ዝውዕል 370 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ንምሃብ ቃል ከምዝኣተወ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)ካብዚ ብተወሳኺ ልኡኽ ጉጅለ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማሬት ኣብ ዝገበሮ ዑደት ምስ ኣባላት ባይቶ ዓረብ ኢምሬት ርክብ ክልቲኤን ፖርላማ…

ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ቑፅሪ ዝሞቱ ሰባት 21 በፂሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)እቲ ሓደጋ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ዝተፈጠረ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡ 5 መንበሪ ኣባይቲ በቲ ምድርማስ መሬት…

ሰንድቕ ዓላማና ንልዕልነት ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትናን ሕገ መንግስትናን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 12 ግዘ ዝኽበር መዓልቲ ሰንድቕ ዓላማ ብድሙቕ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ቤት ምኽሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እቲ መዓልቲ ሰንድቕ ዓላማ ብድሙቕ ንምኽባር ከም ከተማ ናይ ባዕሉ ስራሕ ሓላፍነት ዘለዎ ኮምቴ ተጣይሹ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎን ፣ተመሃሮ ኣብ ሰንድቕ ዓማ ዘለዎ ግንዛበ…