ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪካ እዋናዊ ኩነታት ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌደሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ሩዋንዳን ፓል ካጋሜ፣ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ…

ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከቡ ምዕራባውያን ዝተሓሰበ ጥሉል መጥቃዕቲ ፅንፈኛታት ከም ዘሎ ብምግላፅ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታታ ኣጠንቂቓ ፡፡

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣልሸባብ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 21 ሰባት እንተቕተሉ ድሒሩ ድማ ዜጋ ብሪታንያ ዝርከቦም 19  ኬንያውያን ተዓጊቶም ከም ዝተቐተሉ ይዝከር…

መራሒ ውድብ ተቓውሞ ቬንዙዌላ ሁዋን ጉይዶ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ናብ ኲናት ሕድሕድ ከምርሕ ይኽእል`ዩ ንዝብል ርኢቶ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ነፂጎም።

ጉይዶ ንዓርሶም ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ምካኖም ምእዋጆም ስዒቡ ንኣሜሪካ ሓዊስካ ድማ ካብ ሓያላን ሃገራት ዓለም ድጋፍ ረኺቡ`ሎ። ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ኲናት ክህሉን ዘይይህሉን ኣብ `ዕብዳን` ኣሜሪካን…

ሓይሊ ኣየር ፈረንሳይ ምስ ሰራዊት ቻድ ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ካብ ሊብያ ሸሊኮም ዝኣተዉ ፅጡቓት ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ ፡፡

ሰራዊት ፈረንሳይ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እናተበገሰ ኣብ 40 ቃፍላይ ሰራዊት ክልተ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዱ ተገሊፁ ፡፡ ቻድ እስላማዊ ዕጡቓት ሓደጋ ካብ ዘንፀላለወለን ሃገራት…

ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ንዶ/ር መራራ ጉዲና ሓዊሱ ን6 ምሁራት ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ።

ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፥ ዶክተር ምሩፅ ግደይ፣ ዶክተር ሓጎስ ኣሸናፊ፣ ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም፣ ዶክተር ተፈሪ ገድፍ፣ ዶክተር መረራ ጉዲናን ዶክተር ጌታቸው ኣሰፋን መዓርግ…

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 43 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር ዝግመቱ ማሽናት ብልቓሕ ናብ ተጠቀምቲ ከምዘመሓላለፈ ገሊፁ።

ኣቦወንበር ጉጅለ ምፅዳቕ ፕሮጀክት እቲ ባንኪ ኣይተ መጎስ ኣርኣያ ከምዝበልዎ፥ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ ኣብ ማኒፋክቸሪንግን ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ንዝተዋፈሩ ነጋዶ ብሊዝ ፋይናንስ ልዕሊ 43 ሚልየን…

ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 30 ሽሕ ኣባይቲ ንተጠቀምቲ ከም ዝመሓላልፍ ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዘቕረቡ ሚኒስቴር እቲ ሚኒስተር ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ህንፀቶም ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣባይቲ ንምዝዛም ዘኽእሉ ስርሓቲ ከምዝተወገኑ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ…

ንምሕፃብ ኩሊት ዝድለ እታዎት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ኣብዛ ሃገር ቁፅሪ ሕፅበት ኩሊት ዝህቡ ትካላት ውሑዳት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብዋጋ እውን ዝለዓለ ገንዘብ ስለዝኽፈሉ ብዙሓት ተጠቃዕቲ ሂወቶም ሓሊፉ እዩ፡፡ ኣብ ውልቂ ንሓደ ግዘ…