ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ እስራኤል ውድብ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘለው ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ኔታንያ ዝኾነ ሊኩይድ ፖርቲ ጥሙር መንግስቲ ክምስረት ዘኽእል ድምፂ ረኺቡ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ዕላዊ ኣብ ዝኾነ መረፃ እታ ሃገር ሊኪይድ ፖርቲ 35 ወናብር እንትረክብ ቀንዲ ተነሓናሒኡ ብሉ ኢንድ ሁዋይት ተመሳሳሊ ወናብር ረኺቡ እዩ፡፡ ዋላ…

ትካል ሓገዝ ልምዓት ኣሜሪካ ንምምሕያሽ ስርዓት ፍትሒ ኢትዮጵያ ዝውዕል 4 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ክህብ ተስማዕሚዑ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ሓለፍቲ እቲ ትካልን ፕረዝደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፍን ተፈፂሙ፡፡ እቲ ሓገዝ ንቁፃር 50 ደያኑን መሰልጠኒ…

ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ሓቢረን ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪመን፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኣብቲ ስምምዕ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድን ጣልያናዊት መዘንኣን ኤልዛቤጥ ትሬንታን ተፈራሪመን፡፡ እቲ ወታደራዊ ስምምዕ ኣብቲ ዘፈር ተዋዲድካ ንምስራሕ ዝዓለመ…

መንግስቲ ብሽም ዲሞክራሲ ሃገር ንዘፍረሱ ውልቀ ሰባት ኣይዕገስን ኢሎም ፕረዝደንት ክልል ኦሮምያ ኣይተ ለማ መገርሳ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/201) ኣብ ኮንፈረንስ ሰላም ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ዝተረኸቡ ኣይተ ለማ መንግስቲ ክልሎም ብሽም ዲሞክራሲ ዓዲ ክበታትኑ ንዝደልዩ ኣካላት ከምዘይዕገስ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ…

ኣዋጅ ምምሕዳር ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብዚ ዓመት ክፀድቕ ትፅቢት ከምዝግበር ሚኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጅነር ጌታሁን መኩርያ ገሊፆም፡፡

ዘፈር ቴክኖሎጂ ኣብ ዓመት 81 ትሪሊየን ዶላር ሃፍቲ የመንጩ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር ብብርኪ ዓለም ድጅታል ኢኮኖሚ ንዘፈር ኢኮኖሚ ይመርሕ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንግዲ…

ኣልኮላዊ መስት ብበሮድካስት ሚድያ ካይላለ ዝኽልክል መመርሒ ካብ 21 ጉንበት ጀሚሩ ተግባዊ ክኾን እዩ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) እቲ መምርሒ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 1112 ምምሕዳር ምግብን ኣፋውስን 21 ለካቲት 2011 ዓ/ም ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ምውፅኡ ይዝከር፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ…