ብራኸ ዕቤት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ግደ ሱታፌ ዝተፈላለዩ ዉድባት ዑዙዝ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

   (ኤፍኤምመቐለ  11/04/2012 እዚ ዝተገለፀ ዩንቨርሲቲ መቐለ ኣብ ዘዳለዎ  መድረኽ ዋዕላ ረብሓ ትግራይ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ብርክት ዝበሉ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከምዘቕረቡን ብራኸ ዕቤት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ግደ ሱታፌ ዝተፈላለዩ ዉድባት ዑዙዝ ምዃኑ ተገሊፁ’ሎ፡፡

           ኣፍቲ መድረኽ ዋዕላ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ረብሓ ትግራይ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ ከምዝሓበርዎ ተጋሩ ስትራቴጂካዊ ረብሓና ክረጋገፅ ዝኽእል ኣብ ሕሉፍ ዘመናት ዝነበረ ስልጣነ ክንምልሶ ከለና እዩ ድሕሪ ምባሎም ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት እውን ንትግራይ ዝረብሕ መማረፂ ሓሳብ ከቕርቡን ትግራይ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ስልጣነ ንክትበፅሕ ፃዕርታት ክገብሩን ምስ ዝሕእሉን ጥራይ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡

            ብዛዕባ ስነ-ሓሳብ /ኣይዶዮሎጂ/ ውድባት ፖለቲካ መፅናዕታዉ ፅሑፍ ዘቅረቡ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዝኾኑ መምህር ገብረመድህን ገብረሚካል ብግደኦም ኣብ ትግራይ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ጉዳይ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ማለት እውን ምስፋን ሰላም፣ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ለውጢ ማሕበረሰብን፣ ምሕላው ክብርታት ተጋሩን ካልኦት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ፀገማት እውን ክከላኸሉን ከምዝግባእ ፀዊዖም፡፡

            ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ካብ ዝነበሩ መተሓባበሪ ውድብ ዓባይ ትግራይ /ባይቶና/  ኣይተ ኪዳነ ኣመነን መተሓባበሪ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎዲፋይን ብወገኖም ስትራቴጂካዊ ረብሓ ትግራይ ብዓይኒ ትግራይ እምበር ብዓይኒ ኢትዮጵያ ክረኣ የብሉን ድሕሪ ምባል  ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ረብሓ ትግራይ ንምርግጋፅ ትኹረት ሂቦም ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments