7 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ከምዝተረፉ ተረጋጊፁ

(ኤፍኤምመቐለ  14/04/2012  ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ  ውድድር ሴካፋ ቻለንጅስ ዓመተ 2019 ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቶም 7 ተፃወቲ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንተኦም ተፈልዮም ከምዝተሰወሩ ወሃቢ ቃል ዞባዊ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪቃ -ሴካፋ ሮጀር ሙሊንድዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

                “ኤምባሲ ኤርትራ ፅቡቕ ንዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንምምስጋን እንግዶት ኣዳልዩ ከምዝነበረ ኣቐዲሙ ሓበሬታ በፂሑና ነይሩ ፡፡ ኣብ ሞንጉኡ ግን ካብ መንጎ’ቶም ተፃወቲ እቶም ሸውዓተ ከምዝጠፍኡ ሰሚዕና ። ጉዳይ’ቶም ዝተሰወሩ ተፃወቲ ናብ ፖሊስ፣ ፌደሬሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳን ኤምባሲን ኣፍሊጥና ኢና ፡፡ ኣበይ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ድማ ምስ ፖሊስ፣ ፌደሬሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳን ኤምባሲ ኤርትራን ዝተዋደደ ፃዕሪ የካይዱ ኣለዉ፡፡”ዝበለ ሮጀር ሙሊንድዋ እቶም ተፃወቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝርከቡ ድማ ዘለዎ እምነት ገሊፁ ፡፡

             ኡጋንዳ ኣብ ዘእንገደቶ ውድድር ሴካፋ 2019 ብዝሓሸ ብቕዓት ኣብ ሜዳ ዝተረኣየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ኬንያ 4 ን 1 ስዒራ ኣብ ታሪኻ ንመጅመርታ እዋን ናብ ፋፃመ ከምዝቐረበትን ኣብ ግጥም ፍፃመ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ተራኺባ 3 ብ 0 ተሳዒራ ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ክትከውን ከምዝኸኣለትን ዘዘኻኸረ ቢቢሲ  እዚ ክስተት ምጥፋእ ተፃወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ፤ ኣብ ኡጋንዳ ጥራይ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን ኣብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ፤ ንኤርትራ ካብ መንጎ ዝተሰለፉ ተፃወትቲ እቶም ሓሙሽተ ካብ ኣባላት ጋንተኦም ጠፊኦም ምትራፎም ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments