38 ሰባት ዝሓዘት ነፋሪት ቺሊ ጠፊኣ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  01/04/2012    38 ሰባት ሒዛ ናብ ኣንታርቲካ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪቱ ከም ዝጠፈአት ሓይሊ ኣየር ቺለ ሓቢሩ።

       እዛ ሲ-130 ዝዓይነታ ነፋሪት ጉዕዞ  ጠፊኣ ዘላ ካብ ፑነታ ኣሬና ብኣቆጻጽራ ቺለ ሰዓት 4:55 ናይ ምሸት ምስ ነቐለት ሰዓት 6:00 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ማእከል ምቁጽጻር በረራ ዝነበራ ርክባት ድሕሪ ምቁራፁ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ ።

      ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ እቶም 17 ኣባላት ክፍሊ በረራ 21 ተሳፈርትን ሎጂስቲካዊ ኣቕርቦት ንምብፅሕ’ዮም ዝጓዓዙ ነይሮም።

     ሓይሊ ኣየር ቺለ ነዛ ዝጠፈአት ነፋሪት ናይ ምድላይ መስርሕ የካይድ ከም ዘሎን ዛጊድ ዝተረኸበ ኣፋፍኖት ከምዘየለ ቢቢሲ ሓቢሩ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of