38 ሰባት ሒዛ ዝጠፈአት ወተሃደራዊት ነፋሪት ቺሊ ገለ ኣካላ ተረኺቡ፡፡

     (ኤፍኤምመቐለ  02/04/2012   ንላዕለዎት ሰብ መዚ ቺለ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ  ስብርባር ናይታ ነፋሪት ተረኺቡ ዘሎ  ካብቲ ርክብ ዘቋረጸትሉ 30 ኪሎሜተሮ ርሒቁ ኣብ ደሬክ ፓሴጅ ዝተብሃለ ማያዊ ኣካል’ዩ፡፡

          ኮማንደር ሓይሊ ኣየር ቺለ ኢድዋርዶ ሞስኮርያ ከምዝሓበሮ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ክፋል እታ ነፋሪት ውሽጣዊ ኣካል ገንኢ ነዳዲ ናይታ ነፋሪት ክኸውን ከም ዝኽእል ግምቱ ድሕሪ ምቕማጡ እቲ ዝተረኸበ ስብርባር ብርግጽ ናይታ ብሰኑይ ዝጠፈአት ነፋሪት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ምፅራይ ከም ዝርከቡን ዝተረፈ ኣካላት ናይታ ነፋሪት ንምርካብ ሰብ ሞያ ይረባረቡ ምህላዎም ግልፂ ገይሩ።

           ኣብዚ መስርሕ ኣለሻ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ዓባይ ፣ እንግሊዝን ኡራጓይን ብነፈርተን ፤ ኣሜሪካን እስራኤልን ኸኣ ኣሳእል ሳተላይት ብምልኣኽ ሓገዘን የበርክታ ምህላወን ዝገለፀ ኢድዋርዶ ሞስኮርያ እንተኾነ ግን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ብርቱዕ በረድ ነቲ ናይ ምድላይ መስርሕ ዓብይ ብድሆ ኮይኑ ምህላዉ ኣረዲኡ ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of