መልእኽቲ ንፕረዝደንት ግብፂ ኣብድልፈታሕ ኣልሲሲ ንምብፃሕ ናብ ግብፂ ኣምሪሖም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/11/2011)ብኣይተ ገዱ ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኽ ኣሌክሳንደርያ ኣብ ዝርከብ ሃራምሊክ ቤተ መንግስቲ ምስ ፕረዝደነት ኣልሲሲ ተዛትዮም፡፡ መንግስቲ ግብፂ ንርክብ ክልቲኦም ኣሓት ህዝብታት ትኹረት ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡…

ሓበራዊ ተጠቃምነት ንግዲ ኢትዮ ኤርትራ ንምርግጋፅ ስምምዕ ይግበር ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/11/2011)ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ልውውጥ ንግዲ ክልቲኤን ሃገራት ሕጋዊ ምግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ሰላማዊ ርክብን ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነትን ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡…

ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም ናብ ወፃኢ ዓዲ ሰደድ ካብ ዝተገበሩ ቡንን እኽሊ ቅብኣትን ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲ ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  19/11/2011)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስተር ንግዲ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ፣ ሎም ዘበን ፍሪያታት ቡን፣  ፃዕዳ ኣዳጉራ፣ ሰሊጥን ሰበረን ናብ ወፃኢ ዓዲ ሰደድ ተገይሩ…

ሕማም ኢቦላ ዛጊድ ካብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ወፃኢ ከምዘይተርኣየ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) እቲ ውድብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣዝዩ ከምዝተስፋሕፈሓ ብምግላፅ ዛጊድ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዘይተርኣየ ገሊፁ፡፡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ…

ደኢህዴን ንምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዞባታት ሲዳማን ሃድያን ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) እቶም ዝተኣገዱ ኣመራርሓ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብታ ክልል ኣብ ዝተረኣየ ዕግርግር ኢድ ነይርዎም ብዝብል ምእጋዶም እቲ ውድብ ገሊፁ፡፡ ካብ ዞባ ሲዳማን ሃድያን ብተወሳኺ…

ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንኩሉም ቋንቋታት ብማዕረ ዘተኣናገደ እዮ ኢሎም ምክትል ኣቦ መንበር ውድብ ፌዴራላዊ ኮንግረንስ ኦሮሞ(ኦፌኮ) ኣይተ በቀለ ገርባ ።

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011)እቶም ምክትል ኣቦወንበር ዮኒቨርስቲ መቐለ ዝተፈላለዩ ምሁራን ብምዕዳም ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ዕብየት ቋንቋ ዘድሃበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ እንተኮን “ኣብዛ ሃገር ዘለው…

ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይላት ተጎዓዚ ሓፂር-ርሕቐት ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ገሊፃ።

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) ሰሜን ኮርያ ካብቲ ዎንሶን ዝበሃል ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ እያ ነቶም ሚሳይላት ሓሙስ ንጉሆ ናብ ባሕሪ ተኩሳቶም። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ደቡብ ኮርያ ከምዝበልዎ ሓደ…

ኣብ ዋና ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ነቷጊ 15 ሰባት ተቐቲሎም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) ከም ሓበሬታ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ እቶም 15 ግዳያት ኣብታ ከተማ ብዝተፈንጀሩ ሰለስተ ነቶግቲ እዮም ተቐቲሎም፡፡ ቁፅሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ሰብ መዚ…

ፕረዝደንት ቱንዝያ በጂ ኬዲ ኢሰብሲ ኣብ መበል 92 ዓመቶም ዓሪፎም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) ብዕድመ ዝዓበዩ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ፕረዝደንት ዝኾኑ ኢሰብሲ ንቅልውላው ሃገራት ዓረብ ስዒቡ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ኣብ ዝተኻየደ ናፃ መረፃ ዝተዓወቱ እዮም፡፡ እቶም ፕረዝደንት…