ቁፅሪ ኣብ ቤተክርስቲያንን ሆቴልን ስሪላንካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት 290 በፂሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 02/08/2011) ፖሊስ እታ ሃገር ዛጊድ 24 ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዐለ ዝገለፀ ኾይኑ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ወፃእተኛታት ብምትእስሳር ዝተፈፀመ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ካብኔን ሚኒስተር ጉዳያት…

ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ዩክሬን ተዋዛዪ ቭላድሚር ዘለንስኪ ተዓዊቱ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 15/08/2011) ፖለቲካዊ ልምዲ ዘይብሉ ዘለንስኪ 73 ሚኢታዊ ድምፂ መረፅቲ ብምርካብ ዝተዓወተ ኾይኑ ተነሓናሒኡ ፕረዚደንት ፔትሮ ፔርሼንኮ ድማ 24 ሚኢታዊ ድምፂ ረኺቦም፡፡ ዘለስንኪ ድሕሪ ዓወት…

ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዘሎ ኣወንታዊ ርክብ ኻልኦት ክልላት ከም ትምህርቲ ክወስድኦ ይግባእ ኢሉ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክለኻል ሃገር ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜንን ቢሮ ፀፅታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይን መድረኽ ዘተ ሰላምን ድሕንነትን ኣሳሊጦም። ኣብቲ መድረኽ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል…

ባይቶ ከተማ መቐለ ኣብ ራብዓይ ዘበን መበል 24 ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ ።

ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ኣይተ ዘመንፈስቅዱስ ፍስሃ ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መሕትት ብምክትል ከንቲባ ኢንጅነር ኣርኣያ ግርማይ ዝቀረበ ፀብፃብ…

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

መትኒ ትራንስፎርሜሽን !! ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ክልልና ዝማዕበለት ንምግባር፣ ኣግሮ-ኢኮሎጂ መሰረት ገይሩን፣ ኣብ መቐለ ዘሎ፣ ምጥጣዕ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ጨርቀ-መርቅን ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ሓዊስካ ሰለስተ…

ኣብ ከተማ ኣፅቢ ወንበርታ ስነ-ስርዓት ምውላዕ ሽምዓ ብዘይሕጋውያን ደለልቲ ተታሊሎም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሰግርሉ እዋን ብዘጋጠሞም ሓደጋ ዝጠሓሉ መናእሰይ ተሳሊጡ ።

ካብ ጣብያታት ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ተበጊሶም ቐይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብን ንምእታው ሃቂኖም ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ ወገናት ብዘጋጠሞም ሃንደበታዊ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ…

ብምትሕብባር ኢኒስቲዩትት ባዮ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያን ዩንቨርስታት መቐለን ሰመራን ኣብ ጉዳይ ድሕንነት ሂወትን ባዮ ቴክኖሎጂ ሕርሻን ዘድሀበ ዘተ ሰብ ብፅሒት ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ይሳልጥ ኣሎ ።

(ኤፍኤምመቐለ 04/08/2011) ኣብ 2008 ዓ/ም ዝተጣየሸ እቲ ኢኒስትዩትት ፀገም ፈታሕቲ ምርምራት ብምክያድን ዝተጀመሩ ምርምራት ኣወዳዲሩ ብምድጋፍን ናብ ረብሓ ሕብረተሰብ ክውዕሉ ምግባር ተልእኾ ዝተወሃቦ እዩ። ዋና…

ጨፌ ኦሮሚያ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ንኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ኽልል ጌሩ ሸይሙ ፡፡

ኣይተ ሽመለስ ኣብዲሳ መተካእታ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኖም ዝተሸሙ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ለማ መገርሳ እዮም ተሸይሞም ፡፡ አይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ቅድሚ እቲ…