ኣብ መንጎ ትካላት ጥዕና ዘሎ ምቅብባል ማለት እውን ሪፈራል ዝወሃብ ሕክምና ንተሓከምቲ ንተወሳኺ ወፃእን ምንግልታዕን የቃልዖም ከምዘሎ ሓደ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ፡፡

ሓለፊ ምምሕዳር ፅሬት ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኣይተ መንግስቱ ሓጋዚ ብ 30 ትካላት ጥዕና ዘሎ ቅብብል ንተሓከምቲ የንገላትዕ ከምዘሎ ዕላዊ ኣብ ዝገበርዎ መፅናዕቲ…

ተወከልቲ ቐዋሚ ኮሚቴ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኢነርጅን ፌደራል ኣብ ጉዳይ ሕፅረት ማይን ግልጋሎት መብራህትን ምስ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ መቐለ ዘተ ተኻይዱ፡

ተሳተፍቲ እቲ መድረክ ዝኾኑ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ፀገም ሕፅረት ማይ ከምዘሎ ብምግላፅ እቲ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ንኽረክብ ትኩረት ሂብኩም ክትሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡…

ቀወሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ክልል ጋምቤላ ልዕሊ 654 ሚሊየን ብር ልቓሕ ዝተወሰደሎም 36 ፕሮጀክትታት ሕርሻ ኣብቲ ከባቢ ከምዝሰኣኖም ኣፍሊጡ።

እቶም ኣባላት ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ክልል ጋምቤላ ተዋፊሮም ዘለዉ ኢንቨስተራት ዘለውዎ ኩነታት ተዓዚቦም። ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብቲ ክልል ንዘለዉ ብዝናብ ክለምዑ ዝኽእሉ ገዘፍቲ ፕሮጀከትታት ሕርሻ…

ሰራሕተኛታት ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ንልምዓት ትግራይ ካብ 10 ክሳብ 50 ሚእታዊ ወርሓዊ መሃየኦም ኣወፍዮም።

መንግስቲ ትግራይ “ሓድነትና ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ንዘቕረቦ ፃውዒት ምትእክካብ እቶት ኩሎም ሰራሕተኛታት እቲ ቢሮ ከምዝተቐበልዎ ኣረጋጊፆም። ብመሰረት እዚ መበዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ካብ 10…

ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅራን ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝተሰርሑ ስርሓቲ ዝድህስስ መፅናዕቲ ከምዘካየደ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ በቢዓመቱ 16 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትትሓዙ 16 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሂወቶመ ይስእኑ፡፡ ኣብ 2020 አቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ቁፅሪ ሓደሽቲ…

ሶርያ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ታባታት ጎላን ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ ፀዊዓ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኣሜሪካ ንታባታት ጎላን ከም ልኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ጌራ ኣፍልጦ ምሃባ ተቐባልነት ዘይብሉን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰን ምኻኑ ዝገለፀት ሶርያ ባይቶ ፀጥታ…

ኣብ ኣሜሪካ ትበርር ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብዘጋጠማ ቴክኒካዊ ፀገም ብሃንደበት ክትዓርፍ ተገዲዳ፡፡

ንብረትነታ ናይ ሳውዝ ዌስት ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ዝኾነት እታ ነፋሪት ኣብ ሞተራ ብዘጋጠመ ፀገም እዩ ብሃንደበት ዓሪፋ፡፡ እታ ነፋሪት ስርሓት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብብርኪ…

ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮ 16 ኤፍ 25 ዝተበሃላ ነፈርቲ ኹናት ንምዕዳግን 23 ነባራት ነፈርቲ ንምምሕያሽን ብ4 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ፈፂማ፡፡

እቲ ስምምዕ ኣብ ታሪክ ንጉሳዊ መንግስቲ ሞሮኮ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ኤጀንሲ ምትሕብባር ድሕንነት ምክልኻል ሰራዊት ኣሜሪካ እቲ ስምምዕ ምስ ሞሮኮ ከምዝኣሰረ ገሊፁ፡፡ እቲ መሸጣ…

ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኩሓ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ናፃ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራ ይህብ ኣሎ፡፡

ተጠቀምቲ እቲ ናፃ ሕክምና ዓይኒ ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝመፁ እንትኾኑ ቅድሚ ሕዚ ንሕክምና ክሳብ 1 ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝተሓተትሉ ብናፃ ኣገልግሎት ምርካቦም ከምዘሓጎሶም…