2ይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ኣብ 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ ።

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011) ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ፤ ኣብቲ 14 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኩሉ ሕብረተሰብ ንክሳተፍ ዕድል ስለዘይረኸበን ክነወፊ ኢና ዝብል ድፍኢት ካብ ኩለን ወረዳታን ዞባታትን ክልልና ብምምፅኡ መቐፀልታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ መድረኽ ምትእክካብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት 21 ሓምለ 2011 ዓ/ም ኣብ ሆቴል ኣክሱም ንኽካየድ ከም ዝተወሰነ ገሊፀን።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዝተገበረ ወፈያ ብሕፅረት ግዜ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ ንኩሉ ሕብረተሰብ ሰለዘይተነገረ ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ከምዝኾን እውን ወ/ሮ ሊያ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of