ሰብርባር ብሰሉስ ዝተሰወረት ነፋሪት ኩናት ጃፖን ተረኺቡ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኤፍ 35 ዝዓይነታ ነፋሪት ኩናት ጃፖን ትማሊ ከሚስዋ ካብ ዝተበሃለ ናቑጣ ሰራዊት ድሕሪ ምብጋሳ ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቓ ካብ ክትትል ጠፊኣ እያ፡፡

ከም መግለፂ ሰራዊት ምክልኻል ጃፖን ድሕሪ ዝተገበረ ኣለሻ ስብርባር እታ ነፋሪት ዝተረኸበ ኾይኑ ኣብራሪ  ዛጊድ ሃለዋቱ ኣይተፈለጠን፡፡

ኣብራሪ ምስ ተበገሰ ድሕሪ ሒደት ደቒቓ በረራይ ከቋርፅ እየ ዝብል መልእኽቲ ልኢኹ ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሚኒስትር መንቀሊ እቲ ሓደጋ ኣይተነፀረን፡፡

ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾና ኤፍ 35 ዝተበሃላ ነፈርቲ ኩናት ካብ ራዳር ወፃኢ ምብራር ዝኽእላ ኾይነን ዛጊድ 2 ተመሳሰልቲ ነፈርቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎን ኣሎ ፡፡

መንግስቲ ጃፖን ድሕሪ እቲ ሓደጋ ዝተረፋ ኤፍ 35 ካብ በረራ ከም ዝኣገደን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of