10% ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ገዲፉ ንስደት ኣምሪሑ ተባሂሉ ፡፡

 (ኤፍኤምመቐለ  07/05/2012) ክሳብ 2018 ዓ.ም.ፈ. ጥራይ 10%  ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ገዲፉ ንስደት ከምዘምርሐ ንጉዳይ ስደተኛታት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ተሓላቒ መሰል ደቂ ሰባት (ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች )ገሊፁ፡፡

     ንመሰል ደቂሰባት ዝጣበቕ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ከምዝሓበሮ ክሳብ መወዳእታ 2018 ዓ.ም ጥራይ 507,300 ኤርትራውያን ንሃገሮም ገዲፎም ከምእተሰደዱን እዚ ቀመር ኣሃዝ ቁፅሪ 10 ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ከም ፀብፃብ እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰልሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ 2019 ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ  መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2019 ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐፀለን በዚ ምኽንያት ኣሸሓት ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ከምዝወፁ ጠቒሱ።

      እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ከምቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣብ ኤርትራ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከምጽእ ኣይከኣለን ዝበለ እቲ ትካል ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከላ ሰብኣዊ መሰላት ክተኽብር ኣይገበራን ይብል  ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዎች።

         ነቐፍቲ መንግስትን ሰበስልጣን ነበርን፡ ብዘይፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ‘ዘይሕጋዊ’ ቤት ማእሰርትታት ተቐይዶም ምህላዎም ፤ ከምኡ ድማ ሓሳብካ ብናፃ ናይ ምግላፅ መሰልን መሰል ምውዳብን ተጋሂሱ ምህላዉ ገሊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።


0