1 ቢሊዮን ሰባት ዓለምና ብቐሊል ምክልኻል ብዝኽእሉ ሕማማት ዓይኒ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)እቲ ውድብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ከም ዘመላኽቶ 2 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ህዝቢ ዓምና ንፀገም ምርኣይን ዓይነ ስውርነትን ተቓሊዑ ኣሎ ይብል፡፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም 65 ሚሊዮን ሰባት ፍፁም ምርኣይ ዘይኽእሉ ሰባት ብብርኪ ዓለም ምህላዎም ብምግላፅ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም፡፡

ክንክን ዓይኒ ዝደልዮ ሰባት ብዘለዎ ሕፅረት ገንዘብ ዘይተገደበ ፅሬቱ ዝሓለወ ኣገልግሎት ክረኽቡ  ይግባእ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of