ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘይሕጋውያን ሰደተኛታት ዝረኸብዎ ድጋፍ ምግቢ ንምቕራይ ከምዝዓለሙ ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07/12/2011) ዶናልድ ትራምፕ ድኻታት ስደተኛታት ቪዛኦም ንምንዋሕን /መንበሪ ፍቓድ /ግሪን ካርድ ንምርካብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ከቢድ ንክኸውን ኣብ ምግባር ዝርከቡ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ምግቢን ፣መንበሪን ንገዛውትን ድጋፍ እናተገበረሎም ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝፀንሑ ስደተኛታት ዝኽልክል ሓድሽ መምርሒ ብምውፃእ ተወሳኺ ፅዕንቶ ኣብ ምግባር ይርከቡ፡፡

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝውዕል እዚ ሓድሽ መምርሒ ፐብሊክ ቻርጅ ሩል እናተበሃለ ዝፅዋዕ ኮይኑ ፣እዚ መምርሒ ቀወምቲ ነበርቲ ስደተኛታት ፖለቲካን ዘይጎድእ ዋላ እኳ እንተኾነ ቪዝኦም ክናወሓሎምን መንበሪ ፍቃድ /ግሪን ካርድ/ ንምርካብ ዘመልከቱ ስደተኛታት ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡

ኣዝዩ ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ናይ ሕክምና መንበሪ ገዛን ወፃኢኦም ዝመሳሰሉ ጥቅማጥቕሚን መሰረት ዝገበሩ ስደተኛታት ንቀፃሊ ናብታ ሃገር ንከይኣትው ክእገዱ እዮም እውን ተባሂሉ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of