ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኩለን ነፈርቲ ስርሒት ቦይንግ 737 ማክስ ብህፁፅ ካብ ኣገልግሎት ክወፃ ኣዚዞም፡፡

ፕረዝደንት ትራምፕ ንድሕንነት ህዝቢ ኣሜሪካን ካልኦት ህዝብታት ዓለምን ኢሎም ነቲ ስጉምቲ ምውሳዶም ገሊፆም፡፡

ኩሎም ኣብረርትን መንገድታት ኣየርን ኣሜሪካ ቦይንግ 737 ማክስ ንዘይትወሰነ እዋን ኣብ ዘለውኦ ቦታ ጠጠው ከብልውን ኣዚዞም፡፡

ንትእዛዝ እቶም ፕረዝደንት ስዒቡ ምምሕዳር ኣቬሽን ፌደራል ኣሜሪካ ቦይንግ 737 ማክስ ዝተበሃላ ነፈርቲ ከይበራን ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ከይንቀሳቐሳን ወሲኑ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0