ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ንዝተፈፀመ ቅትለት ኮኒኖም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  29/11/2011)ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣታት ቴክሳስን ሃዊይን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 29 ሰባት ምማቶም ስዒቡ ኣብ ኣሜሪካ ፅልኢ ቦታ የብሉን ክብሉ ኮኒኖም፡፡

ዶናልድ ትራምፕ በቲ ኣብ ሃገሮም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ብምግላፅ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኣሜሪካ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከየጋጥም ምክልኻል ጠንኪሩ ስራሕቲታት ምስራሕ ከምዘድልያ ሓቢሮም፡፡

ትራምፕ እዚ ይበል ድኣ እምበር ነቶም መጥቃዕቲ በፂሕዎም ዝሞቱ ሰባት ከም ምኽንያት ኮይኖም እዮም ተባሂሎም ብኣሜሪካውያን እናተወቕሱ እዮም፡፡

ፖሊስ ፀረ ስደተኛታት ዶናልድ ትራምፕን ምቅዋም ቑፅፅር መሳርሕታት ኩናትን ነቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከም ምኽንያት ከምዝኾነ እውን እናተገለፀ እዩ ዝርከብ፡፡

ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተጠርጣሪ እዩ ዝተበሃለ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ እንትኸውን ኣብ ግዝኣት ሃዋይ ንሓፍቱ ሓዊሱ ካልኦት ሰባት ናብ ሞት ዘብፀሓ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተኸፈተ ቶክሲ ከምዝሞተ ተፈሊጡ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of