ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃእን ኳታር ዘትየን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  14/12/2011) ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኳታር ሸኽ መሓመድ ቢን ኣብደልራሕማን ቢን ጃሲም ኣልታኒ ዝዘተያ እንትኾና፣ ኣብዘተኦም ኣብ ዛዕባታት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከምኡ እውን እዚ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅልሉ ዝኽእል መንገዲን ኣልዒሎም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሚር ኳታር ሸኽ ተሚም ቢን ሃመድ ኣልታኒ ነተን ፕረዝደንት መልእኽቲ ሰላምታን ሰናይ ትምኒትን ዘቕረቡ እንትኾኑ ብወገን ፕረዝደንት ሳህለወርቅ እውን ናተን መልእኽቲ በቶም ልኡኽ ናብቶም ኣሚር ኣመሓላሊፈን እየን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of