ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንቫይረስ ኮሮና “ዘይረአ ፀላኢ!” ኢሎሞ፡፡

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ “ስዓል ዉሃን” ኢሎም ክዋዘይሉ ዝፀንሑ ቫይረስ ኮሮና  ልዕሊ 30 ሽሕ ሂወት ምስ ቆፀየ “ዘይረአ ፀላኢ” ክብሉ መፀዊዒ ሰጓ ከምዝሃብዎ ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣፍሊጡ፡፡

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ “ስዓል ዉሃን” ኢሎም ክዋዘይሉ ዝፀንሑ ቫይረስ ኮሮና  ኣብ ሃገሮም ልዕሊ 30 ሽሕ ሂወት ምስ ቆፀየ “ዘይረአ ፀላኢ” ክብሉ መፀዊዒ ሰጓ ዝሃብዎ በብእዋኑ ናብ ሃገሮም ዝግበር ዝነበረ ዋሕዚ ስደትን ኣማራፂ ስራሕን ሙሉእ ንሙሉእ ደዉ ንምባል ከምዝወሰኑ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ’ዩ፡፡

 “ኣብዚ ሐዚ እዋን ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሃገርና ዘብፀሖ ዘሎ ሃስያ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፡፡ ወፃእተኛታት ናብ ሃገርና ኣትዮም ንምንባርን ንምስራሕን ንዝደልዩ ይኹኑ ካልኦትን ብሓፈሻ ኹሉ ዓይነት ናብ ሃገርና ዝግበር ዋሕዚ ስደት ክእግድ እየ፡፡ እዚ ንምግባር ንግደድ ዘለና ንምክልኻልን ንምግታእን ንቲ ብቑልጡፍ ዝዛመት ዘሎን ከቢድ ሃስያ ዘዉረደልናን ብዓይኒ ዘይረኣይ ፀላኢ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ምእንታን ኽጥዕመና እዩ፡፡” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ዉሳነታት ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብደቂቑ ዝከታተሉን ተንተንቲ ፖለቲካን ግን “ትራምፕ ብቫይረስ ኮሮና ኣሳቢቦም ቅድም ኢሎም ዝጀመርዎን ሓያሎ ተቓዉሞታትን ነቐፌታን ክዉሕዘሎም ኣብ ልዕሊ ዝፀንሐን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዘለዎም መትከል ፤ ብጉልባብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ እዞም ስደተኛታት ስጉምትታት ከወስዱን ዉሽጣዊ ድልየቶም ንምስጓምን  ስለዝደለዩ  እዮም” ክብሉ ንዉሳነ ሓሳብ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ነፂጎሞ።


0