ፕረዚዳንት ናይጀርያ ብህይወት ንዘየለ ሰብ ሹመት ሂቦም፡፡

ፕረዚዳንት ናይጀርያ ብህይወት ንዘየለ ሰብ ሹመት ንኽወሃቦ ናብ ተወከልቲ ህዝቢ ናይጄሪያ ከምዝለኣኹ ተገሊፁ፡፡

ፕረዚዳንት ሃገረ ናይጄሪያ ሞሃሙዱ ቡሃሪ ሎሚ ንሹመት ንዝመዘዝዎም ኣካላት ተወከልቲ ህዝቢ ናይጄሪያ ሹመቶም ኸፅድቐሎም ካብ ሞንጎ ዘቕረብዎም ሰባት እቲ ሓደ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ንዝሞተ ዘካተተ ብምዃኑ ንቡዙሓት ኣገሪሙ ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ፕረዚዳንት ሃገረ ናይጄሪያ ሞሃሙዱ ቡሃሪ ካብ ሞንጎ እቶም ንወኪል ኣባላት ቦርድ መንግስቲ ንሹመት ዝመዘዝዎም 37 ሰባት እቶም “ኦኩሩ” ዝተብሃሉ ዉልቀ ሰብ  ምሟቶም ዝፈለጡ ድሒሮም ምዃኖም ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት እታ ሃገር መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኖም ኣለዉ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0