ፕረዚደንት ግብፂ ነበር ሑሰኒ ሙባራክ ዓሪፎም።

(ኤፍኤምመቐለ  17/06/2012)ፕረዚደንት ግብፂ ነበር ሑሰኒ ሙባራክ ንልዕሊ 30 ዓመታት ንግብፂ ድሕሪ ምምርሖም በቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ ናብ ግብፅን ሓያሎ ሃገራት አዕራብን ዝተዘርገሐ ብቐውዒ ዓረብ ዝፍልጥ ህዝባዊ ናዕቢ ፤ ኣብ ለካቲት 2011 ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ እዮም  ካብ ስልጣኖም ወሪዶም።

 ኣብ 1928 ዝተወልዱ ፕረዝዳንት  ሃገረ ግብፂ ነበር ሑስኒ ሙባራክ ኣንዋር ሳዳት ምስተቐተሉ ስዒቡ ኣብ 1981 ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓዉያን ናብ ስልጣን ደይቦም ኣብ መበል 91 ዓመቶም ድማ ሎሚ ዓሪፎም።


0