ፕረዚደንት ሃገረ ሶማልያ መሓመድ ፋርማጆ ምርጫ ሃገሩ ከየናውሕ ተሓቲቱ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  11/04/2012   ፕረዚደንት  ሃገረ ሶማልያ መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ዘበነ ስልጣኑ ንሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ብምጉሳይ ከየናውሕ  ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ ፡፡

           ኣብ ሶማልያ ዝግበር ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊ ለውጥታት ንዝኣሊ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት-ዩኤንሶም (UNSOM) ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኤውሮጳ (2020) ወይ ድማ ኣብ መፈለምታ 2021 መርጫ ክካየድ ከምዝግባእን  እቲ ምርጫ  ሓደ-ሰብ ሓደ-ድምፂ ጥራይ ብዝህቦ መስርሕ ምርጫ ክሰላሰል ከምዝግባእ’ውን ኣተሓሳሲቡ።

            ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ፤ ተወከልቲ ሕቡራት ኣውሮፓ ዝርከብዎም ካልኦት 15 መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ  ንዚ መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ ፕረዚዳንት መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ  ዘበነ ስልጣኑ ከናውሕ ይህቅን ምህላዉ ስለዘረጋገፀ’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

             እቲ ኣብ 2017 ዝተሰላሰለ ምርጫ ሃገረ ሱማልያ ካብ መስርሕ ምርጫ ሓደ-ሰብ ሓደ-ድምፂ ጥራይ ወፃእ ብምንባሩ ድምፂ ንምዕዳግ ዝተቓለዐ ምዃኑ ዝገለፀ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝካየድ ኣገባብ ምርጫ ኽቕየር ከምዘላ ብምሕባር ዓለም-ለኻዊ መትከላት ዝሓለወን ኣሳታፊን ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቱ ።

              ኣብታ ሃገር ሓደሽቲ ኣዋጃት መረፃ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ታህሳስ ክፀድቁ ኣብ ምድላው ከምዝርከብን እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ኩሉ ብማዕርነት ዘሳትፍን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ እንተነኣሰ 30 ሚኢታዊት ብፅሒት ክህልወን ዘኽእል ምዃኑ ዝሓበረ ቢቢሲ እንተኾነ ግን እቶም አዋጃት ኣብ ምፅዳቕ ዘይምቅድዳው ምፍጣሩን  እቲ መረፃ ንምክያድ ዘድሊ ገንዘባዊ ወፃኢታት መን ይሸፍኖ ኣብ ዝብል ቀንዲ ማሕለኻ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments