ፕረዚደንት ሃገረ ሕቡራት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኖበል ሰላም 2019 ሃገር ንምድሓን ዝተለገሰ ህያብ ምዃኑ ኣቃሊዑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/05/2012) ንቡዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካን ደለይቲ ሰላምን ዓብይ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዝነበረ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሃገር ንምድሓን ተባሂሉ ዝተዉሃበ ፖለቲካዊ ልግሲ’ምበር እቲ ሽልማት ስለዝግበኦ ኣይኮነን ክብል ዶናልድ ትራምፕ ኣቃሊዑ ፡፡

           ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጎስጓስ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ኣብዘስመዖ ዘረባ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019ን “ንዓይ’ዩ ዝግበኣኒ ነይሩ ይኹን እምበር ሃገር  ሃገር ስለዘድሓንኩሉ ንሱ እዩ እቲ ኣገዳሲ ክብል እቲ ሽልማት ኖቤል ልግሲ ምንባሩ ሓቢሩ።

          ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምብፃሕ ከካይድ ዝቐነየ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ‘ቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ሓሳብ ርእይቱኡ ክህብ ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቐረበሉ ሕቶ “ሓቂ ዘረባ፡ እቲ ኮሚተ ኖቤል ነቲ ሽልማት ንምሃብ እንታይ መዐቀኒታት ከምዝወስድን፡ ውልቀ ሰባት ብኸመይ ከምዝመርፅን ዝፈልጦ ነገር የብለይን ድሕሪ ምባል ፕረዚደንት ትራምፕ ቕረታ እንተዳኣ ሃልይዎ ቅሬትኡ ናብ ኦስሎ እዩ ከቕርብ ዘለዎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣይኮነን።ክብል ገሊፁ”


0