ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ጥብቅ ዝበለ መጠንቀቅታ ኣማሓላሊፉ ኣሎ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 12/10/2011)ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ን3 ተፃወታ / ዮናታን ከበደ ፣ ሃይሌ እሸቱን ወሰኑ ማዜን/ ውዕሊ እናሃለዎም ከምዘሰናበተቶም ዝፍለጥ እዩ ፡፡ ነዚ ስዒቡ እቶም ተፃወቲ ውዕሊ እንዳሃለወና ካብ ጋንታና ብዘይ ኣገባብ ንክንሰናበት ተገዲድና ኢና ብምባል ናብ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ክሲ ከምዘቅረቡ ዝዝከር እዩ ፡፡ ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝፀነሐ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ድማ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ነቶም ተፃወቲ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ መሃየኦም ንክትከፍሎም ውሳነ ምምሕልላፉ ዝፍለጥ ኮይኑ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ግና ንውሳነ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምቅዋም  ተግባራዊ ክገብርዎ ኣይካአሉን ፡፡

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ግና ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ እቲ ውሳነ ተግባራዊ ንክከውን ንጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ኣጠንቂቅዎም ኣሎ ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of