ፅላለ ሰሜን ኮርያ ኣብ ፈተነ ቶኽሲ ሮኬት ላዉንቸር !

(ኤፍኤምመቐለ 22/07/2012)   ዓለም ብዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ከቢድ መዋጥር ኣብ ዝተሸመመትሉ እዋን ኣይግዳዳ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ቶኽሲ ሮኬት ኣካይዳ፡፡

ዓለም ብዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ከብዳ ሓፋቚ ኣብ ትሕቆነሉ ዘላ እዋን  ኣይግዳዳ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ቶኽሲ ገዘፍቲ ላዉንቸራት  ሮኬት ብኣንፈት ሰሜናዊት ከተማ ዎንሳን ምክያዳ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣገሪማ ኣላ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡

ኣብ ሰሜን ኮርያ  ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ከይህሉ ሰብ ሞያ ሻቕሎቶም ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኮርያ ግን ንዚ ቅጭጭ ከይመፆ ኣብ ፈተነ ቶኽሳ ገዚፍ ላዉንቸር ኣተኩሮ ሂቡ ምንጣፉ ኣብ ከቢድ ትዕዝብቲ ማሕበረሰብ ዓለም ወዲቓ’ላ።

እቶም 410 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ዝተወንጨፉ ገዘፍቲ ላዉንቸራት ሮኬት ኣብ ባሕሪ ቅድሚ ምዕላቦም ክሳብ 50 ኪሎሚትሮ ብራኸ ከምዝነበሮምን እቲ ዝተኻየደ ፈተነ ዕዉት ወተሃደራዊ ፈተነ ከምዝነበረ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ሓቢሩ’ሎ።

ብነፍስ ወከፍ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ናይ ምዉዳቕ ባህርያት ዘለዋ ደቡብ ኮርያ ብወገና “ህዝቢ ዓለም ብኮቪድ -19 ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ ኣብ ዘላትሉ እዋን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሰሜን ኮርያ ዘይግቡእን ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ንፅውዕ” ክትብል ገሊፃ’ላ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።


0