ጫትን ሺሻን እናጥቀሙ ዝተረኸቡ 16ተ ትካላት ንግዲ ከም ዝዓሸገ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትርን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዳስትርን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ መለስ ደስታ ኣብ ጣብያ ሰላም 11ን 12ን ኣብ ጣብያ ዘስላሴ ድማ  15ን16ን ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ተፍትሽ 16 ትካላት ጫት፣ሺሻን ሽጋራን እናጥቀሙ ተረኺቦም እዮም፡፡

ብዘን 16 ትካላት ድማ ክልቲኡ ፆታ ዝሓወሰ ልዕሊ 120 ሰባት እናተጠቐሙ ተረኺቦም እዮም፡፡

ኣብቲ ተፍታሽ ካብ ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ምሁራትን ሰራሐተኛታት መንግስትን ይርከብዎም፡፡

እዚ ተግባር ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖምያውን ፖለቲካውን ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ከም ዘለዎን ዝኸፈኣ ዋጋ ከኽፍል ከም ዝኽእል ኣይተ መለስ ደስታ ወሲኾም ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝተጀመረ ሃንደበታዊ ተፍታሽን ናይ ምዕሻግ ስጉምትን ተጀሚሩ ዘቋርፅ ከይኮነስ ብቀፃሊ ክስርሐሉ እዩ ኢሎም ኣይተ መለስ ክብል ኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ለገሰ ወልዱ ፀብፂቡ፡፡

13/05/2011


0