ጎቦታት ገረዓልታ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ሪጋ ሒዙ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

 (ኤፍኤምመቐለ  03/04/2012ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጎቦታት ገረዓልታን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያንን  ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ንምስፋር ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይካየድ ከምዘሎን ዛጊድ ኣፍቲ  መዝገብ ንምስፋር ናይ መጀመርታ መፅናዕቲ ተወጊኑ ሪጋ ሒዙ ከምዘሎ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ ።

            ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ንዳይሬክተር ምርግጋፅ ብቕዓትን ቁፅፅርን ንኣይተ የማነ ገድሉ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ  ጎቦታት ገረዓልታን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያንን ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንምስፋር ናይ መጀመርታ መፅናዕቲ ከምዝተወገነን በዓል ኣሸንዳ እውን ኣፍቲ መዝገብ  ንምስፋር ይስረሓሉ ከምዘሎን ዘድልይ ሰነዳት’ውን ናብ ዩኔስኮ ከምዝቐረበን ገሊፁ።

           ኣብ 2020 ኣ.ፈ. “ኣሸንዳ፡ ኣሸንድየ፡ ዓይኒዋሪ፡ ማርያ፡ ሶለል፡ ፅምብል ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ክምዝገብ ሕቶ ቀሪቡሉ ምህላዉን ኣብ ቀፃሊ ከኣ ከም መስጊድ ኣል-ነጃሺ፣ ጎቦታት ዓድዋን ጥንታዊ ቤተ መቅደስ ይሓን ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ንክምዝገቡ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ቱሪዝም ትግራይ ኣፍሊጡ።

              ዝሓለፈ ረቡዕ  ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኣብ መዝገብ የዩኔስኮ ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of