ግብፂ ኣዎሎንፋስ ብዝሓወሰ ሓያል መጠን ዝናብ ተወቒዓ ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት በፂሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/07/2012)ግብፂ ኣዎሎንፋስ ብዝሓወሰ ሓያል መጠን ዝናብ ተወቒዓ ሓያሎ ዕንወት በፂሑ ዘሎ ትማሊ ንከቢድ ደበና ሰማይ ፣ ቡርቱዕ ኣዉሎ ንፋስን ኣሰንዩ ዝወቕዐ ቡርቱዕ ማይ ዘንቀሎ ሓያል ዉሑጅ ኣብ ልዕሊ ንብረት እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከምዘዉረደ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

በቲ ዝወረደ ከቢድ ሃስያ ኣብያተ ትምህርቲ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ፣ ኣገልግሎት መጓዓዝያ  ባቡርን መርከብን ከምኡዉን ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሉክሶርን ቀንዲ መዕረፊ በፃሕቲ ዓዲ ቦታታት ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪፆም ከምዝወዓሉ ማዕከን ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ፀብፂቡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ዋሽንግቶን ፖስት ኣብ ከተማ ካይሮ ሰደርሳንራግቫን ኣብ ዝሃብወፖ ቃል ዉዕሎ መዓልቲ ፍፃመ እቲ ሃንደበታዊ ዝናብ ንምግላፁ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ “እቲ ሃንደበት ዝወቕዐ ሓያል ማይ ብጣዕሚ ከቢድ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንሓያሎ ገዛዉቲ ኣዕለቕሊቑ እዩ ፡፡ ከም ዉፅኢቱ ድማ ብርክት ዝበሉ ግብፃዉያን ናብ መንበሪ ገዝኦም ንዝኣተወ ማይ ከዉፅኡ ተራእዮም፡፡ ኣብ ግብፂ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ንዚ ሓያል ማይ ዝወቕዐ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ስለዘይብሎም ከቢድ ሃስያ ወሪድዎም’ዩ፡፡” ክብል ኣብሪሁ፡፡

እቲ ኣብ ግብፂ ትማሊ ሃንደበት ዝወቕዐ  ብማሕበራዊ ሚዲያ ‹‹ሓርገፅ›› ዝብል ሳጓ ዝሃብዎን ሓያል ዝናብን ቡርቱዕ ኣዉሎ ንፋስን ህይወት 5 ዜጋታት ግብፂ ከምዘጥፈአን ድሕሪ ምግላፅ እዚ ሃንደበታዉን ቡርቱዕ ማይን ንዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ከየጋድዶ ተሰጊኡ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ፡፡


0