ጋንታ ቶትንሃም ሆትስፐር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፍፃመ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮፖ ንዘብቁዕዋ ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ኣሰናቢታ ፡፡

ጋንታ ቶትንሃም ዓሚ ብሊቨርፑል 2 ን 0 ኣብ ፍፃመ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ተሳዒራ ዋንጫ ዝሰኣነትሉን ንፍፃመ ፀወታ ዘብቅዕዋን ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ኣብዚ ዓመት ውድድር ድኹም ዝበሃል ውፅኢት ምምዝጋቦም ስዒቡ ካብ መዝነቶም ክሰናበቱ ብምግባር ብማንችስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምብራሮም ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም ዝፀንሑ ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪንዮ ንፖቸቲኖ ተኪኦም ናብ ቶተንሃም ከም ዝፈረሙ ተረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ኣብ ፈላማይ መግለፂኦም ድማ ምስ ተፃወቲ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንምስራሕ ንዘለዎም ድሌት ናብታ ጋንታ ክፍርሙ ከም ዝገበሮም ገሊፆም ኣለው፡፡


0