ጋንታ ስሑል ሽረ ስዕረት ገጢምዋ።

ጋንታ ስሑል ሽረ ስዕረት ገጢምዋ። ኣብ ፈላማይ ፀወታ መበል 21 ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ንጋንታ ሲዳማ ቡና ዝገጠመት ስሑል ሽረ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ስዕረት ኣተኣናጊዳ። ንሲዳማ ቡና ኣዲስ ግደይ ክልተ ሽቶታት ከቑፅር ከሎ ዳዊት ተፈራ ሓንቲ ሽቶ ብስሙ ኣመዝጊቡ እዩ። ንጋንታ ስሑል ሽረ ካብ ስዕረት ዘየናገፋ ክልተ ሽቶታት ኣብ ፅቡቕ ብቕዓት ዝርከብ ሳሊፎ ፎፋና ኣቑፂርወን እዩ። ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚን ፅባሕን ቀፂሎም ክካየዱ እዮም። ሎሚ ሰዓት ትሸዓተ ደደቢት ኣብ ስታድየም ትግራይ ንጅማ ኣባጅፋር ክተአንግድ ከላ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ካብ ሜዳኣ ወፃኢ ንድሬዳዋ ከነማ ክትገጥም እያ። መሪሕ እቲ ሊግ መቐለ 70 እንደርታ ኣፈላላይ ነጥቢ ዓቂባ ንምኻድ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ፅባሕ ንኣዳማ ከተማ ክተተኣናግድ እያ።


0